ህጻናት፡ ህጻናት ስለዝዀኑ ጥራይ ጽኑዓት ምዃኖምን ካብ`ቶም ንዓቕሚ ኣዳም/ሄዋን ዝኣኸሉ ሰባት ንላዕሊ ኵነታት ጥዕናኦም ብቐሊሉ ናብ ንቡር ከምዝምለስ ኢና ኩሉ ሳዕ እንዛረብ። የግዳስ፡ መንፈስ ጽንዓት ናይ ህጻን ምስ ርእሰ-ኣመለኻኽታኡ ብዙሕ ምትእስሳር ኣለዎ፦ ብዛዕባ ገዛእ-ርእሱ ዘለዎም ስምዒት፡ ብዛዕባ እቲ ኣለኒ ዝብሎ ነገር ዘለዎ ግንዛቤ ኰነ፣ ብዛዕባ ልቡ ከውድቐሉ ዝኽእል ነገር፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ እቲ ንሱ ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግበሉ ዝኽእል ነገር ከጠቃልል ይክእ።

መንፈስ ጽንዓት ምህናጽ፡ ብፍላይ ኣብ`ቶም ዝኽትምና ዘጓነፎም ህጻናት ኣገዳሲ እዩ። ንዕኦም ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ነቲ ዘጋጥሞም ጓሂ ካብኦም ክወ ዝኽእል ነገር የልቦን። ይኹን`ምበር፡ ህጻናት ብዛዕባ ገዛእ-ርእሶም ጽቡቕ ስምዒት ንክህልዎም ክንሕግዞም፡ ከምኡ`ውን ምስ`ቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥሞም ዓቢ ለውጢ ተኣሳሲሮም ንዝመጽእዎም ስምዒታት ሻቕሎትን ምጥርጣርን  ንኽዋጽኡዎም ክንድግፎም ንኽእል ኢና።

 

መንፈስ ጽንዓት እንሃንጸሎም መገድታት

ንህጻናት ርጉጽነት ክህልዎም (ፍርሕን ምጥርጣርን ከምዘይስምዖም) ግበር

  • ተፈተውትን ፍቱዋትን ምዃኖም ንንገሮም
  • ብሰንኮም እቲ ሰብ ከምዘይሞተ ደጋጊምና ነረጋግጸሎም
  • ብዛዕባ እቶም ዝኣልይዎምን ልቦም ከውድቑሎም ዝኽእሉን ሰባት ነፍልጦም
  • ስለምንታይ ንዓና ፍሉያት(ኣገደስቲ)  ምዃኖም ምንጋሮም

ንህጻናት ንጹራት፡ ከምኡ`ውን ቀጻልነትን ቅንዕናን ዘለዎም መልእኽትታት ንሃቦም

  • ክዛረቡ ይኹን ሕቶ ክሓቱ ወይ ሕግብግብ ክብሉ ክደልዩ እንከለዉ ጽን ሓንጎፋይ ዝብሎም ሰብ መን ምዃኑ ነፍልጦም።
  • ንዘቕርቡልና ሕቶታት ብቕንዕና እሞ ድማ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ደረጃ ቋንቋ ተጠቒምና ንመልሰሎም።

ንልሙዳት ንጥፈታት ብዝተኻእለ መጠን ንዓቅቦም

  • ንህጻናት ሓደስቲ ዘይኰኑ ልሙዳት ንጥፈታት፡ ስምዒታት ውሕስነት ናይ ህጻን ዘበርኹን ኣምር ቀጻልነት ንምዕቃብ ዝሕግዙን እዮም።
  • ክንወጽእ ክንደሊ እንከለና ሰዓት ክንደይ ክንምለስ ምዃንና ነፍልጦም።

ንሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ነተባብዕ

  • ዝስምዖም ዘበለ ስምዒት ንቡር ምዃኑ ንኽግንዘቡ ንሓግዞም።
  • ስምዒት ሕርቃኖም ንዕኦም ይኹን ንኻልኦት ሰባት ብዘይጐድእ መገዲ ንኸውጽእዎ ንሓግዞም።
  • ነቲ ዝሞተ ሰብ ንኽዝክሩን ዝኽሮም ዝኽዕቅቡን ንምሕጋዞም ዘኽእሉና መገድታት ሃሰው ንበል።
  • ንከበድቲ ስምዒታት ወይ ሻቕሎታት ብምቕባል፡ ንዕኦም ንምብዳህ ምሳታቶም ኴንና መገድታት ንርከብ።
  • ኣብ ዕድመ ኵትትና ዝርከቡ መንእሰያት ካብ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ንላዕሊ ምስ መዛኑኦም ናይ ልቦም ከዕልሉ ተኽእሎ ኣለዎም። እዚ ድማ ዝኣምንዎን ኣብ ጐድኖም ዘሎን ዓቢ ሰብ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣገዳሲ ሓገዝ ዝረኽቡሉ ምንጪ እዩ።

ንህጻናት ተሳተፍቲ ንግበሮም ከምኡ`ውን ንርእይቶኦም/ተበግሶኦም ነተባብዓዮ

  • ብዛዕባ ርእይቶኦም ንወከሶም ከምኡ`ውን ኣብ`ቶም ንዕኦም ዝጸልዉ ጉዳያት ኣመልኪቶም ርእይቶታቶም ከፍስሱ እንከለዉ ጽን ንበሎም።
  • ውሳኔ ኣብ ምውሳድ ብግቡእ ከምዝሳተፉ ንግበር። ከም`ዚ ምግባርና ናይ ቀላስነት ስምዒት ንኽህልዎም ይሕግዝ።
  • ሓላፍነት ናይ ዓበይቲ ሰባት ክስከሙ ከይተጸበና፣ ንኻልኦት ሰባት ንኽሕግዙን እሞ ከምኡ ብምግባሮም ባህ ንኽብሎም ነተባብዓዮም።

ንውላድና ዝሕግዙ  ካልኦት ሰባት ንኽሳተፉ ኣተባብዕ

  • ብዛዕባ ከድልዮም ዝኽእል ተወሳኺ ደገፍ ብዝምልከት ንቤት-ትምህርቶም ንሓብር። ዝከኣል ኣብ ዝዀነሉ፡ ንደቅና ንምድጋፍ ውጥን ኣብ ዝረቀሉ መስርሕ ንሳቶም ተሳተፍቲ ከምዝዀኑ ንግበር።
  • ብተመሳሳሊ፡ ንመራሕቲ ናይ`ቶም ደቅና ዝመላለሱሎም ክለባት ወይ ኮማዊ ጕጅለታት ተሳተፍቲ ንግበሮም።

ንህጻናት ንንኣድን ነተባብዕን

  • ከምእንተኣማመነሎም ብግብሪ ነርእዮም፤ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ዘሰላስልዎምን ዝፍጽምዎምን ንጥፈታት ንንኣዶም።
  • ንዕኦም ኣጸገምቲ ንዝዀኑ ነገራት ክዋጽኡዎም እንከለዉ ቁም-ነገሮም ብኣና ወገን ተፈላጥነት ከምዝረኸበ ነርእዮም።
  • ንሕና ኣብ ጐድኖም እንከለና ምስ ዕድሚኦም ብዝዳረግ መጠን ርእሶም ክኢሎም ነገራት ንኸተግብሩ ነተባብዓዮም።

ስምዒት ዝኽትምና ንዓቕሚ ኣድማዒነት ናይ ህጻናት ዝጸሉ ረቛሒ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ

  • ዝኽትምና ዘጓነፎም ህጻናት (እንተላይ ንዓቕሚ ኣዳም/ሄዋን ዝኣኸሉ ሰባት) ብዛዕባ ኣብ ጕዕዞ ህይወቶም ውሁብ ክኸውን ዝግባእ ነገር ክጽገሙ ተኽእሎ ኣለዎም፤ ንኣብነት፡ ምስ ፈተውቶም ምፍልላይ። ሓደ ተራ ናይ ህይወት ለውጢ፡ ንሓደ ህይወት እተገላበጠቶ ዝኽትምና ዘጓነፎ ህጻን ዝያዳ ግድል ክዀኖ ተኽእሎ ኣሎ።
  • ኣብ ክሊ ባህርያቶም ንቡርን ንጹርን ዶብ ንሓንጽጽ። ከም`ዚ ምግባርና ህጻናት ስምዒት ውሑስነት ንክህልዎ ሓጋዚ እዩ።
  • ባህርያት ቍልዕነት፡ ሳሓቕ፡ ጸወታን ዛጥ ምባልን ንቡር ነገር ምኳኑን፡ ከምኡ`ውን ናይ  ሓርቖትን ጓህን ግዝያት ክህልዎም ከም ዝክልን  ንገንዘብ።

ንመጻኢ ዝጠመተ ተስፋ ነተባብዕ

  • ለውጢ ክፋል ናይ ህይወት ምኳኑ ህጻናት ክርድኦም ንሓግዝ፣ ብተወሳኪ ብዝሓሸ መገዲ ለውጢ ንምጉዓዝ ንለውጢ ብከመይ ኣገባብ ትገጥሞ ወሳኒ ምኳኑ ምንጋር።
  • ብዛዕባ ሸቶታቶም ኰነ እቶም ኣብ ዕድመ ህይወቶም ከተግብርዎም ዝደልዩ ነገራት ዝመጸ ምሳና ንኽመያየጡን ንኽድረኹን ነተባብዓዮም።

ሓገዝ ንዓኹም

ንሕና ቀዳሞት ኣርኣያ ናይ`ቶም እንኣልዮም ህጻናት ኢና። ንገዛእ-ርእስና ግዜ ከም እንሓዝእን ልዕሊ ዝግባእ ንገዛእ-ርእስና ብትጽቢታት ከም ዘይነዋጥርን ሰባት ብምኳን ኣብነት ብምርኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ-ርእስና ኣኽብሮት ከምዘለና ነርእዮም። ንገዛእ-ርእስና ኣብ ሓዘን እናሃለና ኩሎም ጠለባት ናይ ውላድና ከነማልእ ክንፍትን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ ገዛእ-ርእስና ለውሃት ነርእይ። ክቱር ሓላፍነት ዘለዎ ወላዲ ወይ ኣላዪ ኣይንኹን።

 


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።