መጻምድተይ ብሞት ምስዝፍለየኒ/ምስእትፍለየኒ ንደቀይ ከመይ ገይረ እድግፎም?

ንህጻናት ካብ ሞት ኣቦ ወይ ኣደ ንላዕሊ ንላዕሊ ዘሕምም ተመኵሮ ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። ከም ብህይወት ዝተረፍና ወለዲ መጠን ንደቅና ሃስያ ካብ ዘስዕቡሎም ኵነታት ክንከላኸለሎም ክንደሊ ባህርያዊ እዩ። መጻምድትና ብኸመይ ከምዝሞተ/ት ዘብርህ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃቦም ክንቍጠብ ወይ ድማ ነቲ ናይ ገዛእ-ርእስና ስምዒት ሓዘን ኰነ ንዘሸግሩና ስምዒታት ክንሓብኣሎም ንደሊ ንኸውን። ህጻናት፡ ኣብ ገሊኣቱ፡ እቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ነገር እዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ምክንኻን ከምዘይኰነ ይነግሩና እዮም። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ሓዲግነትን ምድንጋርን ስምዒት እዩ ዘእትዎም።  

ከም ወለዲ፡ ምስኣቶም ክንበሃሃል ደኣ`ምበር ክንሕግዞም ኣይንኽእልን ኢና። ዋላ እቶም ነኣሽቱ ህጻናት ካብ ኣካላዊ ቋንቋና ተበጊሶም ገለ ከቢድ ነገር ኣጋጢሙ ከምዘሎ ክርድኡ ክኽእሉ እዮም። ንሕና ዘይሰምዕዎ ወይ ዘየቕለቡሉ ንዝመስለና ነፍሲወከፍ ክፋል ዘረባ ዓበይቲ ብልክዕ ናይ ምዝካሩ ተኽእሎ ኣለዎም። ዋላ እውን ኣብ`ቲ ንዘጋጥሙ ነገራት ምሉእ-ብሙሉእ ክርድኡ ዘይክእሉሉ ንኡስ ዕድሚኦም፡ ንመልሰ-ግብርታት ናይ ዓበይቲ ተዓዚቦም ብኣታቶም ድማ ተጸለውቲ ይዀኑ እዮም። ካብ`ቲ ዓበይቲ ዝግምትዎ ንላዕሊ ትዕዝብቲ ብምውሳድ ገለ ነገር ኣጋጢሙ ከምዘሎ ናይ ምርዳእ ዝንባለ ኣለዎም።

ከም ወለዲ መጠን እቲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሓልዮትና ጉዳይ ደቅና ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብጻይ-ኣልቦ ወለዲ ናይ ደቅና ኴንና ሓላፍነት ናይ ምድጋፎም ክንወስድ እንከለና፡ እዚ ተስፋ ከቝርጸና ዝኽእል ሓላፍነት ኰይኑ ክስምዓና ዝከኣል እዩ። እቲ ንስምዒት ሓዘንና እንዋጽኣሉ ኣገባብ፡ ብቐጥታ  ደቅና እውን ብከመይ ንሓዘኖም ይገጥምዎ ዝጸሉ እዩ። እቲ ልዕሊ ኩሉ ካባና ዝደልይዎ ነገር ፍቕርናን ኣልያና/ምክንኻንናን ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብዙሓት ወለዲ ነቲ ንደቆም ኣብ ከም`ዚ ዝኣመሰለ እዋን ብቐጻሊ ዝገብርዎ ደገፍ የቋናጽብዎ እዮም። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንገብረሎም ኣይንጸበ። ንሕና ንገዛ-ርእስና እንድገፈሉ መገዲ ከነናዲ እውን ኣገዳሲ እዩ።  

ምስ ውላድካ ብዛዕባ ጉዳይ ሞት ንምዝርራብ ዘድሊ ተባዕነት ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኰነን። እዚ ምግባር፡ ኪንዮ ዓቕምና ክመስል ዝክእል ዓቢ ሓላፍነት እዩ። ክብድ ዝበሉ ውሳኔታት ክንወስድ ኣብ ዘድልየሉ እዋን፡ ኣብ`ቲ ንዓና ኰነ ንደቅና ቅኑዕ እዩ እንብሎ ነገር ነተኵር። ንደቅና ዝሓይሽ ኣይጠፍኣናን እዩ። እቲ ቀንዲ ንደቅና ዝገዳሲ ከምኡ`ውን ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ነገር ርጉእነት፡ ምሳና ዘሕልፍዎ ግዜ፡ ስድራ-ቤታዊ ስሩዕ ንጥፈት፡ ከምኡ`ውን ንሕና ከምእነፍቅሮምን ኣብ ጐድኖም ከምዘለናን ኩሉ ሳዕ ርጉጽነት ከምዝስምዖም ምግባር እዩ። እቲ ደቅና ካብ ስምዒት ሓዘን ንኽወጽኡ ክንጋደሎም እነከለና ዝህልወና ርእሰ-ምትእምማን ምስ ግዜ እናዓበየ ክኸይድ እዩ። ልክዕ`ዩ - ስድራ-ቤትና ብሰንኪ እቲ ተመኵሮ ክትቅየር እያ። ግን ከኣ ብሓባር ኴንና ክንብርትዕ ንኽእል ኢና።

ከመይ ጌርና ንገዛእ ውላድና ወላዲ/ት ከምዝሞ(ተ)ቶ ንነግር?

  • መጻምድትና ብሞት ምስተፈልየ(ት)ና፡ እንተኽኢልና፡ ንደቅና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንንገሮም።

  • ንደቅና ክንነግሮም እንከለና ኩላቶም ከምዝህልዉን ምሳና ኣካላዊ ምቅርራብ ከምዝህልዎምን ንግበር።   ዝሕግዘና ካልእ ዓቢ ምሳና ከምዝህሉ ምግባር ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።  

  • ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር ሓቀኛ መብርሂ ንሃብ። ህጻናት ኩሉ ሳዕ ኣምሳያ ዘይፈለጥዎ ነገር ገለ ከምጽኡ እዮም ዝፍትኑ። እቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝስእልዎ ነገር ድማ ካብ ክዉንነቶም ዝበኣሰ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ህጻን ዝበለና፦

ስለምንታይ ሓደ ኣባል ስድራ-ቤትካ ጕህዩን ተጨንኒቑን ከምዘሎ ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ፤ ምኽንያቱ፡ እንታይ የጋጥም ኣሎ እንተዘይፈሊጥካ፡ እቲ ጸገም ናትካ ምዃኑ ካብ ምሕሳብ ክትቍጠብ ኣይትኽእልን ኢኻ።

  • ንህጻናት ጉዳዮም ብግምት ክፈልጥዎ ምስእንሓድጎም ኣብ ምድንጋር፡ ሻቕሎትን ስምዒት በደልን እዮም ዝኣትዉ። ስለዚ ኣካል ልዝብና ከምዝዀኑ፡ ከምኡ`ውን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዝርከቡ ዓበይቲ ከምዝኣምንዎምን ምግባር ኣገዳሲ እዩ።    

  • ህጻናት ቅንዕና ዘለዎ እሞ ምስ ዓቕሚ ምርድኦም ብዝዳረግ ደረጃ ቋንቋ ሓበሬታን መብርሂታትን ክወሃቦም የድልዮም። ንህጻናት ኣደናጋሪ ክኸውን ስለዝኽእል፡ `ሞት` ከምኡ`ውን `ሞይቱ` ወዘተ ዝብሉ ንሓቂ ብልክዕ ዝገልጹ ቃላት ደኣ`ምበር ካልኦት ሓረጋት ኣይንጠቐም፦ ንኣብነት፡ `ናብ ሰማይ ከይዱ`፡ `ጠፊኡ` ወይ `ዓሪፉ`።

  • ንህጻናት ብዛዕባ ሞት ከነረድኦም እንከለና ከም`ዚ ክንብል ንኽእል፦ 

ሓደ ሰብ ምስዝመውት፡ ኣካላቱ ኣይሰርሕን እዩ።ቃንዛ ኣይስምዖን፡ ኣይፈርሕን፡ ዝዀነ ነገር ከኣ ኣየድልዮን። ምሟትን ምድቃስን ሓደ ኣይኰነን፦ ምስደቀስና ኣካላትና ብግቡእ እዩ ዝሰርሕ።

  • ደቅና ሕቶ ንኽሓቱን ዝስምዖም ሓሳባት ንኸፍስሱን ዕድል ንሃቦም። ብዛዕባ መልሱ ዘይንፈልጦ ሕቶ፡ ብቕንዕና `ኣይፈለጥክዎን` ንበል። መልሱ ምስፈለጥናዮ ክንነግሮም ምዃንና ክንሕብሮም ንኽእል ኢና።  

  • ደቅና ንስምዒትና ከንብብዎ ዕድል ንሃቦም። ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሰባት ብምዕዛብ እዮም ብዛዕባ ስምዒታት ዝፈልጡ/ዝመሃሩ። ህጻናት `ጽኑዓት ኩኑ` ክበሃሉ ሓጋዚ ኣይኰነን።

  • ኩሉ ሳዕ፡ ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ህጻናት ብገለ መገዲ ጠንቂ ሞት ወላዲ ንሳቶም ከይኰኑ ስክፍታ ክሓድሮም ይኽእል እዩ። ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ህጻናት ሓሳባቶም ሓያል ኰይኑ እዩ ዝስምዖም። ንሓደ ነገር ምስዝሓስብዎ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ከምዝኽእሉ እዩ ዝርድኦም። እቲ ተርእዮ ሞት ብሰንኪ ተግባራቶም ይኹን ቃላቶም ወይ ሓሳባቶም ዘጋጠመ ከምዘይኰነ ዳግመ-ርጉጽነት ከምዝስምዖም ክንገብር ይደልዩና እዮም።

  • ሓበሬታ ደጋጊምና ክንጠቕሰሎምን ብዙሕ ሕቶታት ክንምልሰሎምን ከድልየና ይኽእል እዩ። ክንደክምን ምስ ናይ ገዛእ-ርእስና ስምዒት ሓዘን ንቃለስ እናሃለናን፡ ሓደ ዓይነት ሕቶ መመሊሱ ምስዝደጋገመና ንምጽዋሩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ከኣ፡ እዚ ህጻናት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ስምዒታዊ ግንዛቤ ንኽረክቡ ዝጥቀሙሉ መገዲ እዩ። ህጻናት ኣብ ሓደ እዋን ውሑድ ሓበሬታ ጥራይ እዮም ክወስዱ ዝኽእሉ፤ ብፍላይ እኳ እቲ ሓበሬታ ዘሕዝን ወይ ንምስምዑ ዘጸግም ምስዝኸውን።

ውላደይ ኣዲኡ ወይ ኣቦኡ ከምዝሞተ/ት ምስ ነገርክዎ ከመይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ከርኢ ይኽእል?  

ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ ክንዲ ብቓላት ብተግባር ማለይ ብባህርይኦም እዮም ስምዒታቶም ዝገልጹ። ሓበሬታ ብምውሳድ ድማ ከከም ዕድሚኦም ብዝተፈላለዩ መገድታት የሰላስልዎ። ዝህብዎም መልሰ-ግብርታት ካብ ንሓድሕዶም ኣዝዮም ዝፈላለዩ ክዀኑ እዮም። ገለ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ክወድቁ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ገለ ነገር እኳ ከምዘየጋጠሞም ስምዒት ዘየንጸባርቑ ክዀኑ ይኽእሉ። ናይ ሕርቕርቖት ሳሓቕ ክስሕቁ እውን ይኽእሉ እዮም። ኩላቶም እዚኦም ንቡራት እዮም። ኣብ መጀመርታ መልሰ-ግብሪ ምስዘየርእዩ፡ ኣይገደሶምን ወይ ኣይሰምዑናን ማለት ኣይኰነን። ጸኒሖም ሃንደበታዊ መልሰ-ግብሪ ከርእዩ ድዩስ ሕቶ ክሓቱ፡ ወይ ድማ ሱቕ ምባል ከብዝሑን ካብ`ቲ ኣርእስቲ ክሃድሙን ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ህጻናት ብዛዕባ ሞትን ምኽንያት ሞትን እናሓሰቡ፡ ስምዒት ራዕዲ ድዩስ ዘይውሑስነት፡ ሕርቃን ወይ ምድንጋር ከንጸባርቑ ዘይንቡር ኣይኰነን።    

ደቅና ሬሳ ወላዲኦም/ወላዲቶም ክርእዩ ከነፍቅደሎም ይግባእ ዶ?

ኣብ ገሊኣቱ ሬሳ መጻምድትና ክንርኢ ዘየፍቅድ ኵነታት ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ርሑቕ ሃገር ምስዝ(እት)መውት። ሬሳ ክረአ ዝከኣል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምውሳን ቀሊል ኣይኰነን። ንስድራ-ቤትና ይሓይሽ እዩ ብእንብሎ ኣተሓሳስባ ንመራሕ። ህጻናት ብዛዕባ ትዕዝብቶም ምሉእ-ብሙሉእ ድሉዋት ክሳብ ዝዀኑን ብዛዕባኡ ጸቕጢ ክሳብ ዘይተሰምዖምን ሬሳ ወላዲ/ት ምርኣይ ሓጋዚ ተመኵሮ ደኣ`ምበር ዘጣዕስ ከምዝይኰነ እዮም - ዝኽትምናዊ ተመኵሮ ዘጋጠሞም ህጻናት ባዕሎም ዝገልጹ።  ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክዉንነት ግንዛቤ ንኽወስዱን ክፋነዉን ክሕግዞም ይኽእል እዩ።  

ምድላው ናይ ደቅና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዝከኣል ምስዝኸውን፡ ፈለማ ንሕና ሬሳ ናይ መጻምድትና ከምእንርኢ ንግበር እሞ ንደቅና ከመይ ይመስል ከምዘሎ፡ ኣበ`የናይ ህንጻን ክፍልን ከምዝርከብ፡ መን ይሕልዎ ከምዘሎ፡ እንታይ ክዳን ተሸፊኑ ከምዝርከብን ኵነታቱ እንታይ ከምዝመስልን ኣቐዲምና ኣፍሊጥናዮም ክንጸንሕ።

ንህጻናት እዚ ቀጺሉ ዝጥቀስ ዘሎ ዓይነት ሓበሬታ ክወሃቡ የድልዮም፦

  • ሬሳ ናይ ወላዲኦም/ወላዲቶም ይሕለወሉ ብዛዕባ ዘሎ ቦታ – ቦታን እቲ ዝሕልዎ ዘሎ ሞያውን።

  • ብዛዕባ እቲ ናብኡ ክኸዱ እንከለዉ ዘሰንዮምን ምስኦም ዝኸውንን ሰብ።  

  • ሓሳቦም እንተቐዪሮም ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን፤ ዋላ እውን ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት እንተዀነ። ኣብ እዋን ቅድመ-ቀብሪ ካብ`ቲ ክፍሊ ወጻኢ ክንሑ ወይ ብማዕጾ ተቐልቂሎም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም። ወይ ድማ ከም ፍሉይ ነገር ክሕሰብ ዝኽእል ነገር ክገብሩ ይእኽሉ እዮም፤ ንኣብነት፡ ደብዳቤ ድዩስ ስእሊ ምስኦም ክሕዙ።   

ብሓንሳብ ኴንኩም ሬሳ ምስእትርእዩ፡ ከም`ዚ ወይ ከም`ቲ ግበር ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ክግበር ዘለዎ ነገር ንሕና ብግብሪ ነርእዮም። ኢድ ሬሳ ናይ መጻምድትና እንተሒዝና፡ ውላድና እውን ድልየት እንተ`ለዎ ከምኡ ክገብር ከምዝኽእል ዝእምት እዩ።

ብሰንኪ ኣካላዊ ማህሰይቲ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ሬሳ ጨርቂ ተሸፊኑ ኣብ ዝህልወሉ እዋን እንተዀነ እዋን፡ ህጻን ንሱ ዘለልዮ ከፊላዊ ኣካላት ሬሳ ክርኢ ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት፡ ኢድ ሬሳ ንሱ ምስ ዝዝክሮ ቀለቤት ወይ ሰዓት።

ውላደይ ኣብ ቀብሪ ናይ ወላዲኡ/ወላዲቱ ክሳተፍ ይግባእ ዶ?  

ስርዓት ቀብሪ ክንውድብ ወይ ኣብኡ ክንሳተፍ ኣይንኽእልን ንኸውን። ይኹን`ምበር፡ ዝከኣል ኣብ ዝዀነሉ፡ ነዚ ቀጺሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅለሳዊ ምኽሪ ምትግባር ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ባዕልና ቀብሪ ይኹን ስርዓት ቅድመ-ቀብሪ ክንውድብ እንተኽኢልና፡ ብዝተኻእለና መጠን ደቅና ከምዝሳተፍዎ ንግበር። ንሳቶም ኣብ ስርዓት ቀብሪ ክግበር ዝደልይዎ ፍሉይ ዝበሃል ነገር እንተሃልዩ ንወከሶም፤ ንኣብነት፡ ግጥሚ ምንባብ ወይ ሙዚቃዊ ጸወታ ምቕራብ። ገለ ስድራ-ቤታት ህጻናት ጥራይ ብፍሉይ ዝሳተፍዎ ንኡስ-መደብ ከም ተወሳኺ ከተግብራ ይመርጻ፤ ንኣብነት ናብ ፍሉይ ቦታ ምብጻሕ ወይ ህጻናት ባዕላቶም ብጽሑፍ ዘዳልውዎ ቀሊል መደብ።

  • ኣብ ስርዓት ቀብሪ እንታይ ክህሉ ምዃኑን በዓል መን ክሳተፉ ምዃኖምን ከምዝፈልጡ ብምግባር፡ ንህጻናት ኣቕዲምና ነዳልዎም።
  • ገለ ሰባት ክጕህዩን ክበኽዩን ምዃኖም፤ እዚ ድማ ኩሉ ሳዕ ኣብ ቀብሪ ዘጋጥም ተርእዮ ምዃኑ ነረድኣዮም።

  • ንደቅና ብውልቂ ዝቐርብዎም ሰባት ኣብ ቀብሪ ንኸሰንይዎም ንሕተት እሞ ስምዒት ጓሂ ምስዝብርትዖም ወይ ከምኡ ምስዝውስኑ፡ ነቲ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ሞንጎ ሓዲጎሞ ንክኸዱ ክሕግዝዎም ክኽእሉ። ከምኡ ምግባር፡ ንሕና ንገዛእ-ርእስና ስምዒት ጓሂ ክዕብልለና እንከሎ ድዩስ ብዛዕባ ሓላፍነት ምእላይ ውላድና/ደቅና ክንጭነቕ እንከለና ዝሕግዘና ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ብዕድመ ነኣሽቱ ንዝዀኑ ህጻናት፡ ንኣድህቦኦም ስሒብዎ ክጸንሕ ዝኽእል ከም ዝፈትውዎ ባምቡላ፡ መጽሓፍ ናይ ሕብሪ ዝልከዩ ኣሳእል ወይ ናይ ጽውጽዋያት መጽሓፍ ዝኣመሰለ ነገር ንማልኣሎም።

  • ድሒርና ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ስርዓት ቀብሪ ንዘራረብ፦ ከም`ዚ ክንብል ንኽእል፦ "እቶም ቀብሪ ከርክቡ ዝኸኣሉ ሰባት ብዛዕባ ማማ/ባባ ስለዝግደሱ እዮም መጺኦም። ካልኦት እውን ክመጽኡ እናደለዩ እዮም ዘይከኣሉ። ግን ከኣ ፍሉይ ካርተሊና ወይ መልእኽቲ ሰዲዶም ኣለዉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ምልውዋጥ፡ ደቅና ሰባት ከምዝግደሱሎም ንኽፈልጡ ይሕግዞም።

 

ደቅና ብኸመይ እዮም ሓዘኖም ዝገልጹ?

ህጻናት ብዛዕባ እዚ ተመኵሮ ዝህልውዎም መረዳእታታትን ዝህብዎም መልሰ-ግብርታትን ካብ ሓድሕዶም ዝፈላለዩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዋላ እቶም ብዕድመ ኣዝዮም ነኣሽቱ ዝዀኑ ህጻናት ክሓዝኑ ይኽእሉን ይሓዝኑን እዮም። ይኹን`ምበር፡ ህጻናት ዝህልዎም መረዳእታን ዘርእይዎ መልሰ-ግብርን በዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ረቛሒታት እዩ ዝውሰን፦

  • ምስ ወላዲ/ት ዝጸንሖም ዝምድና
  • ኣማውታ ወላዲ/ት
  • ደረጃ ኣእምሮኣዊ ምዕባለን ስምዒታዊ ብስለትን ናይ ደቅና
  • ዛጊት ኣብ ህይወት ዘጥረይዎ ተመኵሮ
  • ባህላውን መንፈሳውን እምነታት ናይ ስድራ-ቤትና

ደረጃ ዕድመ ናይ ደቅና ቅጽበታዊ ዝዀነ ደረጃ ምርድእ ዘረጋግጽ እንተዘይኰነ እኳ፡ ህጻናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዕድመ፡ ምስ ደረጃ ኣእምሮኣዊ ምዕባለኦም፡ ንኣምር ሞት ብዛዕባ ዝርድኡሉ ዓቕሚ ዝፍትሽ ስፍሕ ዝበለ ቅላሳዊ መምርሒ እንሆ። ህጻናት፡ ኰተቴታትን ዓበይትን ከም ሞት ወላዲ/ት ዝኣመሰለ ዓቢ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ስራሕ ቍልዕነት ናብ ምስራሕ ገጾም ክድረኹ ከምዝኽእሉ ምዝካር ሓጋዚ እዩ።

ህጻናት ክጕብዙ እንከለዉ ስሩዕ ዘይኰነ መስርሕ ዕብየት ዘለዎ ብስለት እናኣርኣዩ እዮም ዝኸዱ። ስለዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝላታት ናይ መረዳእታ ዘርእዩ ክመስሉ ይክእሉ እዮም ። እዚ ከም ልሙድ ኣብ 5 ወይ 6 ዓመት፡ ከምኡ`ውን 10 ዓመት ኣብ ዝመልኡሉ እዋን ኰይኑ፡ ኣብ ፈለማን መወዳእታ ዓመታት ናይ ኵትትናኦም እውን ይርአ። ኣብ`ዞም ነጥብታት እዚኣቶም፡ ህጻናት ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እንደገና ክዘራረቡ፡ ከምኡ`ውን ምስ ዘለዎም ሓድሽ ርእዮተ-ዓለም ንኸዛምድዎ ተመሊሶም ነቲ ተመኵሮ ክርእይዎን ከድልዮም ይኽእል እዩ። ንናይ ሓዘን ስሚዒቶም ብኸምዚ መገዲ ዳግመይ ምድህሳስ ህጻናት ብባህርይኦም ዝገብርዎ ኰይኑ፡ ኣብ ፈለማ እዋን  ሓዘኖም እኹል ደገፍ ኣይተገብረሎምን ማለት ኣይኰነን።

 

ከመይ ገይረ ብስንኪ ሞት ወላዲ/ት ኣብ ሓዘን ንዝርከብ ውላደይ እድግፍ?

ርጉእነት፡ ዲሲፕሊንን ስሩዕ ንጥፈት ምክያድን፡ ህጻናት ውሕስነት ከምዝስምዖም ኣብ ምግባር ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም። ንኽኣልይዎም ኢልና ንህጻናት ናብ ፈተውትና ወይ ርሑቓት ኣባላት ቤተ-ሰብና ምስእንሰዶም፡ ከምኡ ምግባርና ንዕኦም ጽቡቕ ኣማራጺ ኣይኰነን። እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ህጻናት ኣብ`ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጥዎ ሃዋህው ናይ ኣተዓባብያን ምስ`ቶም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝዋስእዎም ሰባትን ክቕጽሉ ምስዝኽእሉ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘሰላስልዎም ንጥፈታት ክተግብርዎም እውን ይግባእ።

ስምዒት ናይ ውሑስነት፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዘኽታሚ ተመኵሮ ሞት ክነቓነቕ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ህጻናት ስምዒት ሻቅሎትን ራዕድን ክዘርእ ይኽእል። ኩሉ ሳዕ፡ ካብ`ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጥዎ መጠን ንላዕሊ ከም ቀጻሊ ምሕቋፍ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ቅርበት ከነርእዮም ከድልየና እዩ።

ብዛዕባ `ድሕሪ ሞት ወላዲየ(ተ)ይ ኣብ ህይወት ንኽድግፈኒ መን ኣብ ጐድነይ ኣሎ` ዝብል ሕቶኦም ብዝምልከት፡ ንህጻናት ብዙሓት ናይ ዳግመ-ርጉጽነት ስምዒት ዘሕድሩሎም ተግባራት ከነርእዮም የድልየና። ዕዮ ገዝኦም ንኽሰርሑ መን ክሕግዞም ምዃኑ፡ ናብ ቤት-ትምርህቲ ድዩስ ናብ ቦታታት ናይ ካልኦት ንጥፈታት መን ክወስዶም ምዃኑ ዘነጽሩ ተግባራውያን ውጥናት ከምንሓስቦም ነዘራርቦም።  

ዝጎበዙ ህጻናት ብዛዕባ ብሰንኪ ካልኦት ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ክፍጠር ንዝኽእል ሃጓፋት ናይ ህይወቶም ብዝያዳ ክርድእዎ ይኽእሉ። ከም`ዞም ቀጺሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዓይነት ሻቕሎታት ድማ ክህልውዎም ይኽእሉ፥  "ኣብ`ዚ ገዛ እዚ ምቕማጥ ክንቅጽል ክንክእል'ዶ ንከውን? ትምህርቲ ክመሃር ክኽእል'ዶ እከውን?"  ህጻናት ንዕኦም ኣብ ዝጸልዉ መስርሓት ኣወሳስዳ ውሳኔ ተሳተፍቲ ምስዝዀኑ፡ ነዚ ኣብ ልቦም ዓቢ ቦታ እዮም ዝህብዎ።

ህጻናት ንሕና ወይ ካልእ ንዕኦም ኣገዳሲ ዝዀን ሰብ ሓሚምና ብሞት ከይንፍለዮም ክሻቐሉ ይኽእሉ እዮም። ብሰንኪ እዚ ሻቅላ ናይ ምፍልላይ ዝጠንቁ ስምዒት ራዕዲ ክህልዎም  ይኽእል። ሓዲግናዮም ክንከይድ ኣድላዪ ክኸውን እንከሎ፡ መዓስ ክንምለሶም ምዃንና ሓቢርና ሰዓትና ኣኽቢርና ንመለሶም። ንኣብነት፡ ህጻናት እቲ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ወላዲ ምስዝድንጉዮም ኣዝዮም ክሻቐሉ ይኽእሉ እዮም።

ሞት የንጸላልዎም ከይህሉ ስግኣት ክስምዖም እውን ተኽእሎ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ህጻን ከም`ቶም ቀቅድሚ ሞት መዋቲ/ት ወላዲኡ/ቱ ተራእዮም ዝነበሩ ምልክታት ሕማም ከምዘለውዎ እንተተዛረበ ዘይንቡር ነገር ኣይኰነን። ነዚ ጉዳይ እዚ ጽን ኢልና ብምስማዕ ብዕቱብነት ክንርእዮ እሞ ነቲ ህጻን ናይ ዳግመ-ርጉጽነትን ፍቕርን መልሰ-ግብሪ ክንህቦ ሓጋዚ እዩ።

ብዙሓት ወለዲ ከም`ዚ ኢሎም ይሓቱ፦  `ኣብ ሓዘን ንዘሎ ህጻን ክቐጽዖ ኣለኒ ዶ፧`  ንቡር ደረጃ ኣቀጻጽዓ ምዝውታር፡ ከምኡ`ውን ህጻን ኣብ ሓዘን ስለዘሎ ከም ድላዩ ክኸይድ ዘይምሕዳጉ፡ ልክዕ ከም ናይ ንቡር ግዜ ደረት  መምርሒ ክሕልዉ ከም ዘለዎም ምግባር፡ ህጻናት ስምዒት ውሕስነት ከም ዝስምዖም ኣብ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ልዑልን እድላዪነት እዩ።

ከመይ ገይረ ውላደይ ንስምዒታቱ ክገልጾምን ክርድኦምን እሕግዞ?     

ከም ዓበይቲ መጠን፡ ካብ ትዕድልተ-ባህርይ ዝብገስ ንደቅና ናይ ምክንኻን ድልየት እዩ ዘለና። ይኹን`ምበር፡ ህጻናት እውን ኣብ ዙርያኦም ንዝርከቡ ዓበይቲ ኣብ ምክንኻን ኣዝዮም ንፉዓት ስለዝዀኑ፡ ንኸየሻቕሉና ስምዒታቶም ክሓብኡልና ክመርጹ ይኽእሉ እዮም። ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ዓበይቲ ብምዕዛብ'ዮም ከመይ ገይሮም ከምዝሓዝኑ ይመሃሩ። ስለዚ ስምዒትና ሓዘንና ከይርእይዎ ኢልና ኣይንሰከፍ። ውላድና ደሓን ንኽረክብ ኢልና ስምዒትና ምስእንሓብኣሉ፡ ብዛዕባ ዘለውዎ ስምዒታት ዝመጸ ኣብ ምድንጋር እዩ ዝወድቕ። ንተግባርና ክቐድሕዎ ዘለዎም ኰይኑ ስለዝስምዖ ድማ ከማ ናትና ስምዒቱ ክቐብር ይረአ።

ህጻናት ኩሉ ሳዕ ንስምዒታቶም ብኸም`ቶም ናትና ቃላት ገይሮም ክገልጽዎ ኣይክእሉን። ሓደ ኣብ ሓዘን ዝርከብ ህጻን ናይ ዕግርግር ጠባይ፡ ሕርቃን፡ ልዋም ዘይብሉ ድቃስ፡ ካብ ወላዲ/ኣላዪ ምፍላይ ምእባይ፡ ንድሕሪት ናብ ናይ ቆልዓ ባህርይ ወይ ድማ ልዕሊ ዕድሚኡ ዝዀነ ተግባራት ብምፍጻም ከንጸባርቕ ይኽእል እዩ። እዚኣቶም ዘሰክፉ ተርእዮታት ጌርካ ክውሰዱ ዝኽእሉ ንነዊሕ እዋን ምስዝቕጽሉን ዝምልከቶ ህጻን ንህይወት ንክገጥም ንዝህልዎ ዓቕሚ ዝጸልዉ ምስዝከውን ጥራይ እዩ።  ኣብ ገሊኣቱ፡ ህጻናት ንገለ ክፋል ዛንታ ኣማውታ ናይ ወላዲኦም/ወላዲቶም ብግብሪ ከርእይዎ ይረኣዩ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢኦም ንዘለዉ ዓበይቲ ዓቕሎም ዘጽብበሎም ተርእዮ ይኸውን። እዚ ህጻናት ብዛዕባ እቲ ተመኵሮ ስምዒታዊ ግንዛቤ ክረኽቡ ዝጅምሩሉ መገዲ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንህጻናት፡ ንግዚኡ ሞት ወላዲ/ት ረሲዖም ስምዒት ሓጎስ ዘስተማቕሩሉ እዋን ከሕልፉ ምዃኖም እውን ነረድኣዮም። እዚ እውን ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን።

ሕርቃን ልሙድ መልሰ-ግብሪ ናይ ዝኽትምናዊ ሞት እዩ። ህጻናት ብዛዕባ ዝሞተ/ት ወላዲ/ት ዝመጸ ይኹን ብዛዕባ ኵነታት ኣማውታኡ/ኣ  ሕርቃን ክስምዖም ይኽእል እዩ። ንሕና ብህይወት ምህላውና እውን ከሕርቖም ዝከኣል እዩ። እቲ ዘጋጠመ ሞት ሃንደበታዊ እንተነይሩ ወይ ኣብ ርሑቕ ሃገር እንተኮይኑ፡ ናይ ምፍናው ዕድል ዘይህብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ንመዋቲ/ት ዝበልዎ ድዩስ ክብልዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ገለ ነገር ዝመጸ ከቢድ ጣዕሳ ክህልዎም ይኽእል። ህጻን ብተወሳኪ ሓደ/ንቲ ወላዲ/ት በይኑ/ና ሓላፍነት ወለዲ ንስከም ከም ዘለና ብምግንዛብ፣ ባዕላቶም ከም ናይ ቀደም ኣድህቦ ክረክብ ኣይክልን እየ ዝብል ርድኢት ብምሓዝ ህይወቶም ብሓድሽ ስርርዕ ከጠዓዕሙ ክፍትኑ ውን ይክእሉ እዮም።

ወላዲ/ት ቅድሚ ሞት ንነዊሕ እዋን ሓሚሙ/ማ እንተነይሩ/ራ፡ ሞቱ/ታ ንህጻናት ስምዒት ሩፍታ ዝህቦም'ውን ይኽእል እዩ። ወላዲ/ት ብሕማም ምስተጠቕዐ/ት ኣብ ህይወት ብዛዕባ ዝረኣይዎ ለውጢ ቅሒሮም ብምጽንሖም ውን፡ ብዛዕባ'ዞም ርዱኣት ስምዒታት ዝመጸ ስምዒት ገበነኛነት ክሓድሮም እውን ዝከኣል እዩ።

ህጻናት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብዛዕባ ሞት ዝመጸ ተሓተትቲ ከም ዝዀኑ ገይሮም ንገዛእ-ርእሶም ክወስድዋ፣ ዋላ'ውን ብዙሕ ክሓስብዎ እዮም ኢልና ንግምቶ ኣይኹን፣  ዘየጋጥም ተርእዮ ኣይኰነን። ብዛዕባኡ ዝመጸ ዝንቀፉሉ ኣብነት ከምዘየልቦ ንጹር ዝዀነ ዳግመ-ርግጽነት ክስምዖም ክንገብር የድልዮም።

ብዛዕባ ህይወት ምፍልላይን ሞትን ዝምልከት መጽሓፍ ናይ ህጻናት፡ ከምኡ`ውን ንነኣሽቱ መንእሰያት ዝዀኑ ብቐጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝርከቡ ትሕዝቶታት፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ተመኵሮ ይኹን ብዛዕባ እቲ ዝስምዕዎም ዘለዉ ስምዒታት ንኽግንዘቡ ሓገዝቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።  

እቲ ደቅና መላለሱሉ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል?  

እቲ ደቅና ዝመላለሰሉ ቦታ ትምህርቲ - መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ኮለጅ ድዩስ ዩኒቨርሲቲ ብዘየገድስ -  ንቡራት ነገራት፡ ልሙዳት ንጥፈታትን ባይታታት ማሕበራዊ ርክብን ብምቅራብን፡ ካልእ  ካብኡ ከድልዮም ዝኽእል ኣድላዪ እሞ ፍሉይ ኣተኵሮ ዘለዎ ደገፍ ብምቅራብን፡ ንደቅና ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ሰራሕተኛታት ትካል ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ተመኵሮ ምእንቲ ክፈልጡ እሞ ኣድላዪ ደገፍ ክገብሩሎም፡ ምስ ኣለይቲ ይኹኑ መማህራን ናይ ደቅና፡ ወይ ከም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ኮለጅ ምስ ዝኣመሰሉ  ክንውከሶም እንኽእል ሞያውያን ክንዘራረብ ኣገዳሲ እዩ። ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ`ቲ ትካል ትምህርቲ ከም ቀንዲ እንውከሶ ሰብ ጌርና እንተወሰድና ሓጋዚ እዩ።

ሓደ ንእሽተይ መንእሰይ ካብ ቤቱ ተፈልዩ ይመሃር እንተሃልዩ፡ ነቲ ተማሃራይ ብዝጸሉ ሕጊ ምስጢራውነት ብዝተኣሳሰር፡ ብዛዕባ ኵነታቱ ከነዘራርቦ እንኽእል ሰብ ክንረክብ ዕድል ዘይብልና ክኸውን ንኽእል ኢና። ይጽገም ኣሎ ዶ የሎን ንምፍላጥ ኵነታቱ ምፍታሽ ድማ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ንእሽተይ መንእሰይ ብዛዕባ ብዩኒቨርሲቲ ወይ ብኮለጅ ደረጃ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ሓፈሻዊ ድሕነት ኣፍልጦ ንኽረክብን ንኽጥቀመሎምን ነተባብዓዮ። እቲ ዘድሊ ነገር፡ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራጺታት ምስ ተሓጋገዝቲ መምህራን ምዝርራብ እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ሞንጎ መስርሕ ትምህርቲ ከዕርፍ ወይ ፈተና ክወስድ ምስዝደሊ።

እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ህጻናት ኣብ`ቲ ብዛዕባ ሓዘኖም ዝምልከት ንናይ ቤት-ትምህርቲ ፈተውቶም እንታይ ተነጊርዎም ክጸንሕ ከምዝደልዩን፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሱ እንታይ እተተገብረ እዮም ዝያዳ ዝሕገዙ ኣብ ምውሳን ምስታፎምን ኣድላዩ እዩ። ኣብ ሞንጎ መስርሕ ትምህርቲ ናይ ክፍሊ ንጥፈታት ኰሊፎም ዘዕርፉሉ እዋን፡ ጓሂ ክስምዖም እንከሎ ድማ ንሳቶም ክኸድዎ ዝክእሉ ዝፈልጦም ሰብ ከድልዮም ይኽእል እዩ። እዚ ምስ ደቅና ክንዘራረበሉ፤ ምስ መማህራን ድማ ክንመያየጠሉ እንኽእል ጉዳይ እዩ።

ብዙሓት ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን፡ ፈተውቶም ወይ መማህራኖም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ነገር ስለዝሰምዑ ሻቕሎት ክስምዖም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ቅልል ዝበለ ውሳነታት ከምዝሳተፉ  ንግበር፤ ንኣብነት፡ ብዛዕባኡ ክሰምዑ ዝደልይዎም ሰባት መነ-መን ምዃኖም፣ ናብ ትምህርቲ ድሕሪ ምምላሶም መማህራኖምን ፈተውቶምን ብኸመይ ንድግፍዎም ከምዝደልዩ ዝኣመሰሉ።

መብዛሕትኦም ህጻናት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ፍሉያት ኰይኖም ክረኣዩ ኣይደልዩን እዮም። ልክዕ ከም ሰቦም ክተሓዙ ድማ እዮም ዝደልዩ። ይኹን`ምበር፡ እዚ ድሌት እዚ፡  ሰራሕተኛታት ቤት-ትምህርቲ ስዉር ዝዀነ ክንክንን ደገፍን ንኸይገብሩሎም ዝዕንቅጽ ክኸውን ኣይግባእን። ቤት-ትምህርቲ፡ ኵነታት ቤቶም እተገላበጠ ኰይኑ ንዝተሰምዖምን ኩሉ ነገራቶም ካብ ናይ ቅድም ዝተፍለየ ኮይኑ ዝስምዖም  ተማሃሮ፡ ርጉእነት ዝረኽቡሉ ባይታን ልሙዳት ንጥፈታትን ኩሉ ሳዕ የዋድድ እዩ። ከም ዕላማ ክንሕዞ ዘለና ነገር፡ ነፍሲወከፍ ዝምልከቶ ሰብ ብዛዕባ ኵነታት ናይ ደቅና ከምዝፈልጥ ንክኸውን ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ቤት-ትምርትን ቤትን ጽቡቕ ርክብ ከምዝህሉ ምግባር፣ እቲ ህጻን ንኩነታቱ ብከመይ ይገጥሞ ኣሎ ንምክትታል ይሕግዝ።

ምርጫኦም ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ህጻናት ከም መዓልቲ ኣዴታት ወይ መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ዝኣመሰሉ ፍሉያት ኣጋጣሚታት ካብ ዝሰላሰሉ ፍሉያት ንጥፈታት ፈስቲቫልን ካልእን ክተርፉ ኣይደልዩን እዮም። ይኹን እምበር እዚኣቶም ብጥንቃቐ ክተሓዙ እሞ ዝምልከቶ ህጻን ክሳተፍ ይደሊ ድዩስ ኣይደልን፡ ክሳተፍ እንተደልዩ ድማ ብኸመይ መልክዕ ከምዝሳተፍ ኣቐዲምካ ክሕተት ይግባእ።

ንቤት ትምህርቲ ናይ ደቅና፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ ትካል ሓገዝ ናይ ዝኽትምና ዘጋጠሞም ህጻናት (Child Bereavement UK) ንኣብያተ-ትምህርቲ ዝኸውንን ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝጠቕምን ኣጠቓላሊ ቀረባት ትሕዝቶ ከምዘፍሪ ከተፍልጦም ንኽእል ኢና። ብናጻ ካብ መርበብ ሓበሬታ ከውርድዎ ዝኽእሉ ቅለሳዊ ጽሑፍ (ብቛንቋ እንግሊዝ እተዳለወ) እውን ኣሎ።  ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንዝኽትምናዊ ተመኵሮ ከምእትዋጽኣሉ ምግባር (Managing bereavement in schools) ከምኡ`ውን ካልኦት ገንዘብ ዘይክፈሎም ምንጭታት ቀረብ - ኣብ`ዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ። ነቲ ደቅኹም ዝመሃሩሉ ቤት-ትምህርቲ ሓገዝ ክንገብረሉ እውን ንኽእል ኢና።  

ደቅና ኣብ ሓዘን ክህልዉ እንከለዉ ኣዕሩዅቶም ክሕግዝዎም ይኽእሉ ዶ?

ንህጻናት ኣዕሩኽ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፤ ብፍላይ እኳ ነቶም ካብ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ምስ ኣዕሩኽቶም ክዛረቡ ዝመርጹ ኰተቴታት።

ህጻናት ክዘናግዑን ባህ ዝብሎም ነገር ክገብሩን ኣድላዩ እዩ። ጸወታን ማሕበራዊ ምትሕውዋስን ንገዛ-ርእሶም ንዅነታቶም ንኽዋጽእሎም ዝሕግዙ ፍወሳዊ መገድታት እዮም። ዝከኣል ኣብ ዝዀነሉ ደቅና ምስ ኣዕሩኽቶም ወይ ፈተውቶም ንኽራኸቡ ነተባብዓዮም። ብዛዕባ ዘጋጠሞም ተመኵሮ ንኣዕሩኽቶም ከዕልሉ ድማ ንሓግዞም።

ብዛዕባ ስምዒትና ንኻልኦት ሰባት እነካፍለሉ ኣገባብ፡ ንመን ነካፍሎ ከምኡ`ውን ክንሳብ ክንደይ ሓጋዚ ምዃኑ መብርሂ ንሃቦም። ገለ ኣዕሩኽ ብዛዕባ ብከመይ ሓገዝቲ ክዀኑ ዘኽእልዎም መገድታት ርእይቶ ክቕበሉ ድሉዋት ክኾኑ ይክእሉ  እዮም። እንተዘየሎ እንታይ ክገብሩን ክብሉን ከምዘለዎም ብዘይምፍላጦም ሕፍረት ክስምዖም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብ`ቲ ሓዘን ዘጋጠሞ ህጻን ተነጽሎ ከስዕብ ዝኽእል እዩ። ህጻናት ኣብ ቅርዓት ጸወታ ጭካነ ከንዘባርቑ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምትና ነጽንሓዮ። ገለ ብተመኵሮ ናይ ዝኽትምናዊ ሓዘን ዝሓልፉ ህጻናት ጕጅለኣዊ ባጫ ናይ መዛኑ ዘጋጥሞም ምዃኖም ከኣ ዘሕዝን እዩ። ይኹን`ምበር መብዛሕትአን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ`ቲ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው ንተርእዮ ጕጅለኣዊ ባጫ ይምክታኦ እየን። ህጻናት ኣብ ገሊኣቱ እውን ብዛዕባ እቶም ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ብህይወት ዘለዉ ኣዕሩኽቶም ወይ ፈተውቶም ስምዒት ቅንኢ ክሓድሮም ይኽእል እዩ። 

ከመይ ጌርና ውላድና ብሞት ንዝተፈልዮ/የቶ ኣቦኡ/ኣዲኡ ከምዝዝክር ንገብር?  

ኣእምሮኣዊ ዝኽርታት ብዙሕ ፍልልያት እዮም ዘምጽኡ። ህጻናት ነቶም ብሞት ዝተፈልይዎም ሰባት ከይርስዕዎም ክጭነቑ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ መዋቲ ብህወት እንከሎ ዝግበሩ ዝነበሩ ነገራት ብምዝካር ክንድግፎም እነከለና ድማ እዚ ንዕኦም ዓቢ ሓገዝ እዩ። ገለ ካብ`ቶም ደቅና ሓገዝቲ ኰይኖም ክረኽብዎም ዝኽእሉ ነገራት፦

  • ኣብ ኢድና ዝጸንሐ ኣሳእል ናይ መዋቲ ብሓንሳእ ኴንካ ምርኣይ ፤ ማለት እንተሃልዩና
  • ንዝምልከቶ ህጻን ከምኡ`ውን ነቲ ብሞት እተፈልየ ወላዲ ዝትንክፍ ስድራ-ቤታዊ ዛንታ ወይ ዝኽሪ ምክፋል
  • ንብረት ናይ መዋቲ ወላዲኦም ዝዀነ ነገር መሪጽና ብምዕቓብ፤ ንኣብነት፡ ገለ ካብ ክዳውንቲ - ኣብ ኢድና እንተጸኒሑ።
  • እቲ ብሞት እተፈልየ ወላዲ ዝፈትዎ ዝነበረ ሙዚቃዊ ስራሕ ምጽዋት
  • ዝኽሪ ናይ`ቲ ብሞት እተፈልየ ወላዲ ዘስፈረ ስእለ-ጽሑፋዊ ናይ መዘክር ጥራዝ ምድላው
  • ቅርጻዊ ኣሰራርዓ ዘለዎም ኣሳእል ምድላው፤ ንኣብነት ንወላዲኦም ከም መጻምድቲ፡ ከም ኣቦ፡ ከምኡ`ውን ከም ዓርኪ ዘርእይ።
  • መዘኻኸሪ ናይ ነፍሲወከፍ ኣባል ስድራ-ቤት ናይ`ቲ ብሞት እተፈልየ ወላዲ ዘርእይ መዘክራዊ ባኮታት ንሓድሕዱ ምውሳብ። እዚ እቲ ብሞት እተፈልየ ወላዲ መን ከምዝነበረን ንሳቶም ክሳብ ክንደይ ክብሪ ዝህብዎ ሰብ ምዃኑን ዘርእይ ምድላው። ናብ`ቲ መዘክራዊ ባኮ እንታይ ክኣቱ ይግባእ፤ እንታይ ከ ኣይኣቱን ክውስኑ እንከለዉ፡ ንህጻናት ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቶም ተመሊሶም እናሓሰቡ ኣብ ህይወቶም ደሓን ዝዀነ ቍጽጽር ከዘለዎም ዘረጋግጸሎም ስምዒት ክህልዎም የክእሎም። ንብረት ናይ እቲ/ታ ብሞት እተፈልየ/ት መጻምድትና እንብሎ ብዙሕ ንብረት ምስዘይጸንሓና፡ ብዛዕባኣ/ኡ ዘዘኻኽሩና ነገራት ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ዝኽራዊ ነገር ክንጽሕፍ ወይ ስእሊ ከነዳሉ ንኽእል ኢና።

 

ከመይ ገይረ - ብምክናያት ሞት ወላዲ/ት ዝዘኽተመ ውላደይ እናኣለኹ ገዛእ-ርእሰይ እውን ክፈቅድ ዝኽእል?

ወለዲ ኴንና ንህይወትካ እንዳመራሕካ ጉዳይ ሓዘን ውን ከተሰላስል ምስኡ ድማ ምእላይ ህጻናት ተወሲክዎ እንሓንሳብ ንክንዋጽኣሎም ኣድከምቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ልዕሊ ዓቕምና ኣይንመጠጥ – ከመይ ጌርና ንሓንቲ መዓልቲ ከምእንዋጽኣ ጥራይ ንሕሰብ። ንዓና ሓጋዚ ኰይኑ እንረኽቦ ነገር ኣየናይ እዩ? እንተኽኢልና፡ ባትሪ ናይ ሕልናና ንምምላእ፡ ንብሕትና ግዜ እንረኽበሉ መገዲ ንምሃዝ። ገለ ወለዲ ከምኡ ንምግባር ግዜ ክረኽቡ ኣዝዮም እዮም ዝሽገሩ። ግን ከኣ ኣብ መወዳእታ ንደቅና ብዝሓሸ ኣገባብ ንኽንሕግዞም ክሕግዘና ዝኽእል እዩ።

ንዝዀነ ይኹን ኣማራጺ ናይ ሓገዝ ንቀበሎ ሰባት ክሓቱና እንከለዉ ክንነግሮም ምእንቲ ክንሕገዘን እንደልየን ጉዳያት ዝርርዝር ንሓዝ `ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣሎ ዶ፧`


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።