\ህጻናት ከም ምስ ሕርቃን፡ ሻቕሎትን በደልን ንዝኣመሰሉ ስምዒታት ብከመይ ንክገጥሙ እትምዕድ፡ እሞ ስምዒታት ተጠጂኦም ከም እሳተ-ጎመራ ንከይነትጉ እትሕግዝ ንእተተባብዕ ሓጻር ናይ ኣኒሜሽን ፊልምና ተዓዘብዋ።



ገለ እሳተ-ጎመራታት ብቕጽበት ክነትጉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ጸጸኒሖም ሒደት ሃፋታት ጥራይ ከምዘተንፍሱ ንፈልጥ ዶ?

ሰባት እውን ምስ እሳተ-ጎመራታት ተማሳሳልነት ክህልዎም ዝከኣል እዩ። ገለ ስምዒታቶም ሓቢኦም ጸኒሖም ጸቕጢ ምስበዝሖም ብሓንደበት ዝነትጉ ክዀኑ እንለዉ፡ ካልኦት ድማ ንስምምዒታቶም በብቑሩብ ክነፍስ ዝሓድግዎ ስለዝዀኑ፡ ከምኡ ምግባሮም ንዘጋጥሞም ጸቕጢ ክዋጽኡሉ ይሕግዞም።

ሓደ ንዓና ፍሉይ ዝዀነ ሰብ ብሞት ምስዝፍለየና፡ ከም ናይ ጓሂ፡ ሕርቃንን ሻቕሎትን በደልን ዝኣመሰለ ብዙሕ-ዝዓይነቱ ኣሸጋሪ ስምዒታት ኣብ ውሽጥና ክህልወና ባህርያዊ እዩ።    

ስምዒታትና ኣብ ገለ ቦታ ወይ ምስ ገለ ሰባት ክንጸባረቕ ክንርኢ ስክፍታ ዘሕድረልና ክኸውን ይኽእል። እዚ እውን ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን።    

ንስምዒትካ ኩሉ ሳዕ ምቕባር/ምኽዋል ግን ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣሸገርቲ ስምዒታት ኣብ ውሽጥና ተጠጂኦም ጸኒሖም ጸቕጦም ኣብ ዝሕይለሉ እዋን ልክዕ ከም እሳተ-ጎመራ ክነትጉ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ዝሓሸ ስምዒታትና ከነስክነሉ ዝግባእ መገዲ፡ ብዛዕባኦም ምስ እንኣምኖን ግዜ ወሲዱ ጽን ክብለና ምስ ዝኽእልን ሰብ ምዝርራብ እዩ። እዚ ምግባርና ካብ`ቲ ዝህልወና ጸቕጢ ናይ ውህሉል ስምዒት ውሑስ ንዝዀነ መልክዕ ንኽንገላገል እሞ ነገራት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ንኸይኰኑና ዝሕግዝ እዩ።

ከነዘራርቦ እንኽእል ሰብ ንምርካብ ብቝጽሪ ተሌፎን 0800 02 888 40 ናብ ናጻ መስመር ሓገዝ ንደውል ወይ ብመገዲ ናትና ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ቀጥታዊ ጽሑፋዊ ዕላል ንጠቐም።


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።