ትሕቲ 2 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት

ንሕቋፋትን ክዛረቡ ዘይክእሉን ነኣሽቱን ህጻናት ኣምር ናይ ሞት ኣጸቢቆም ክዛረቡ ቅድሚ ምጅማሮም ክርድኦም ዝከኣል ኣይኰነን። ነኣሽቱ ህጻናት ንስምዒት ነቲ መዓልታዊ ብሓልዮትን ኣልያን ናይ'ቲ ክምግቦም ዝጸንሐ ሰብ ካብኦም ብምፍላዩ ንዝፍጠር ለውጢ ናይ ከባቢኦም ከስተውዕሉሉን ናይ ቀጨውጨው ምልክት ብምርኣይ ክገልጽዎን ይክእሉ እዮም። ወላዲኦም ወይ ቀንዲ ኣላዪኦም ብሰንኪ ሓዘን ስምዒት ፍቕሩ ምስዘየንጸባርቐሎም እውን በዚ ተጸለውቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ክሳብ 6 ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት ንስምዒት ሕዱግነትን ዘይውሑስነትን ክምኰርዎ ይኽእሉ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ተርእዮ ብኽያት፡ ከምኡ`ውን ምምዝባል ድቃስን ኣመጋግባን ይረኣዮም። ካብ ክሊ ዕድመ 8 ኣዋርሕ ንዳሓር፡ ህጻናት፡ ኣእምሮኣዊ ስእሊ ናይ`ቲ ብሞት ዝተፈልዮም ሰብ ከማዕብሉ ይጅምሩ፤ ነቲ ሰብ እቲ ናይ ምንፋ ስምዒት እውን ይህልዎም። ኣብ`ዚ ክሊ ዕድመ እዚ ዝርከቡ ህጻናት ዝያዳ በኸይቲ ወይ ስምዒት ናይ ዓቃባውነት ዘለዎም ክዀኑ ይኽእሉ። ኣብ መጻወቲ ባምቡላታት ኰነ ኣብ መግቢ ዝጸንሖም ተገዳስነት ክጠፍእ ይኽእል። መትናዊን ቋንቋኣውን ምዕባለ ኣእምሮ ኣብ ዘረጋግጹሉ መስርሕ ድማ ነቲ ብሞት ዝተፈልዮም ሰብ ናይ ምጽዋዕ ወይ ምንዳይ ዝንባለ የርእዩ።  ብዙሕ ናይ ዳግመ-ርጉጽነት ተግባራት እናኣርኣና፡ ከምኡ`ውን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ልሙዳት ተግባራት ብምድሃብ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

ካብ 2 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት

ዘይጐበዙ ህጻናት ብዛዕባ ተርእዮ ሞት ናይ ኣዕዋፍን እንስሳታትን ይግደሱ እዮም። "ሞይቱ" ንዝብል ቃል ክጥቀሙሉ ይጅምሩ፡ ከምኡ`ውን ትርጉሙ ካብ ብህይወት ምህላው ዝተፈልየ ተመኵሮ ምዃኑ ኣፍልጦ ከማዕብሉ ይጅምሩ። ኣብ`ዚ ክሊ ዕድመ እዚ ዝርከቡ ህጻናት፡ ከም ናይ "ንዘልኣለም" ንዝኣመሰሉ ኣምራት ክርድእዎም ስለዘይክእሉ፡ ሞት ንሓዋሩ ምዃኑ ክግንዘብዎ ዝከኣል ኣይኰነን። እዚ ድሩት ዝዀነ መረዳእታ እዚ ድማ ብዛዕባ ሞት ዘረባ ኣብ ዝሰምዑሉ እዋን ግብረመ ልሲ  ዘይብሎም ከምዝኮኑ ይገብሮም። ብዛዕባ`ቲ ብሞት ዝተፈልዮም ሰብ `ኣበይ ከምዘሎ፡ መዓስ ከ እዩ ዝምለስ` ኢሎም ደጋጊሞም ክሓቱ እውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ`ዚ ክሊ ዕድመ እዚ ዝርከቡ ህጻናት፡ እቲ ብሞት ዝተፈልዮም ሰብ ክምለሶም እዮም ዝጽበዩ።  ዘይጐበዙ ህጻናት ንዝንገሮም ነገር ቃል-ብቓሉን ብጭቡጥ መልክዕን ናይ ምትርጓሙ ዝንባለ ኣለዎም። ስለዚ፡ ግጉይ መረዳእታን ምድንጋርን ምእንቲ ከየስቡሎም "ጠፊኡ"፡ "ገይሹ" ወይ "ደቂሱ" ንዝብሉ መመኽነይታታት ወይ መግለጺታት ናይ ሞት ምውጋድ ኣገዳሲ እዩ።  ንዘቕርቡልና ሕቶታት ብቕንዕና ንመልሶም። ግን ከኣ ንኹሎም ዝርዝራት ወይ'ውን ኩሉ ነገር ሓንሳብ ከነፍልጦም ዘለና ኰይኑ ኣይሰምዓና። ሓበሬታ ግዜ ወሲድካ ከምዝውህለል ምግባር ዝከኣል እዩ።

ተርእዮታት ምምዝባል ድቃስ፡ ምልውዋጥ ኵነታት ሸውሃት፡ ብጸወታ ዘይምግዳስ ኣብ ህጻናት ክንርኢ ዝከኣል ኰይኑ፡ ዋላ እውን ንሳቶም ኣጸቢቖም ምስዝፈልጥዎም ዓበይቲ ገዲፍናዮም እተከድና'ውን ብዛዕባ ምፍልላይ ክሰግኡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መዳይ ክእለት ቋንቋ ወይ ኣጠቓቕማ ዓይኒ-ምድሪ ዓቕሞ እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ተኽእሎ ኣሎ።

ዕድሚኦም መባእታ ትምህርቲ ዝኣኸለ ህጻናት

ካብ 5 ክሳብ 7 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት፡ ሞት ዘልኣለማውን ዘይትምለሰሉን ተመኵሮ ምዃኑ፡ ከምኡ`ውን እቲ ብሞት ዝተፈልዮም ሰብ ክምለሶም ከምዘይኰነ፡ ብዘገምታ ክስወጦም ይጅምር። እቶም ብንኣሽትኦም እንከለዉ ዝኽትምና ዘጋጠሞም ህጻናት፡ እንዳ ዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ብዛዕባ ዘልኣለማውነት ናይ ሞት ክርድኡን ንድሕሪት ተመሊሶም ነቲ ተመኵሮ ከሰላስልዎ ይጅምሩ።

እቲ ህጻናት ኣብ`ዚ ክሊ ዕድመ እዚ ዘለዎም ኣእምሮኣዊ ስእሊ ናይ ምፍጣር ዝንባለን ፍኑው/ማጂካዊ ኣተሓሳስባን ገለ ህጻናት ጠንቂ ናይ`ቲ ሞት ሓሳባቶምን ተግባራቶምን ኮይኑ ክርድኦምን፡ ስምዒት ናይ በደል ከማዕብሉን ይኽእሉ። ምስ ዕድሚኦም ብዝኸይድ መረዳእታ ሓበሬታ ተዋሂብዎም ምስዘይጸንሕ፡ ነቶም ዘለውዎም ናይ ርድኢት ጋጋት ብመሰረት' ድሩት ኣፍልጦኦም ክመልእዎም ይፍትኑ።

ህጻናት፡ ሞት ንኹሉ ፍጡር ዘይተርፍ ኣካል ናይ ህይወት ምዃኑ መመሊሱ እናተረድኦም ይኸይድ። ከም ውጽኢት ናይ`ዚ ግንዛበ እዚ ድማ ብዛዕባ ጥዕናን ድሕነትን ናቶምን ኰነ ናይ ካልኦት ሰባት ስግኣት ክስምዖም ይኽእል።  

ኣብ ክሊ እዚ ዕድመ እዚ ዝርከቡ ህጻናት ምስ ግዜ እናኣዋህለልዎም/እናኣቘርዎም ዝኸዱ ናይ ቅኑዕ መልስታት  ንሕቶታቶም ፤ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ስምዒታቶም ንኽገልጹ ዕድላት ክወሃቡ የድልይዎም። እቲ ሞት ብሰንኪ ንሳቶም ዝበልዎ ወይ ዝሓሰብዎ ነገር ፈጺሙ ከምዘየጋጠመ ደጋጊምና ከነረጋግጸሎም ኣድላዪ እዩ።

ኰተቴታት

ኵትትና ኣብ ህይወት ልዑል መጠን ምልውዋጥ ዘጋጥመሉ ክሊ ዕድመ ምስ ምዃኑ፡ ካብ ናይ ጽግዕተኛነት ናብ ናይ ርእስኻ ምኽኣል ተመኵሮ ንምስጋር  ኣብ እነርእዮ ምዕባለ ስምዒት ጓሂ ክጸልወና ይኽእል እዩ። ነኣሽቱ መንእሰያት ካብ ስድራ-ቤታዊ ምትእስሳር ሓሊፎም መጠኑ እናወሰኸ ናብ ዝኸይድ - ምስ መዛኑኦም ዝዋስኡሉ መድረኽ ይሰግሩ። ርእስኻ ንምኽኣል ኣናጸዓርካ ደገፍ ወይ ሓገዝ ምሕታት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነኣሽቱ መንእሰያት ካብ መዛኑኦም ብዝዀነ ይኹን መገዲ ዝተፈልዩ ኰይኖም ክስምዖም ኣይደልዩን ስለዝዀኑ፡ ዝኽትምና ዘጓነፎ ንእሽተይ መንእሰይ ምዃን ከቢድ ተነጽሎ ዘስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተመሳሳሊ ተመኵሮ ካብ ዝሓለ መዛኑ ዝርከብ ደገፍ ኣዝዩ ሓያል ክኸውን ይኽእል እዩ።  

ኵተቴታት ብዛዕባ ኣምር ሞት ዝመጸ ልክዕ ከም ናይ ዓበይቲ መረዳእታ ዝህልዎም እኳ እንተዀኑ፡ ናይ ገዛእ-ርእሶም እምነታትን ብጽኑዕ ዝሓዝዎም ኣረኣእያታትን ስለዝህልውዎም፡ ኣንጻር እቶም ብኻልኦት ሰባት ዝንጸባረቑሎም እምነታትን መብርሂታትን ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም።

ገለ ነኣሽቱ መንእሰያት ንተመኵሮ ዝኽትምና ገዛእ-ርእሶም ብምንጻል/ብምግላል መልሰ-ግብሪ ክህቡሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ንኣእምሮኣዊ ስቃዮም ብግብሪ የንጸባርቕዎ። ገለ ድማ ካብ`ዛ ዓለም እዚኣ ሓላፍንቲ ምዃኖም ምስተሰወጦም ህይወት ብጠቕላላ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ስለእትመስሎም፡ ኣብ ሓደገኛታት ንጥፈታት ተዋፊሮም ገለ ስምዒት ድሕነትን ቀላስነት ህይወቶም ኣብ ናቶም ቁጽጽር ምኳ ከረጋግጹ ይፍትኑ።  ገለ ብወገኖም ናይ ዓቢ ሰብ ሓላፍነት ይስምዖምን `ኣለይቲ` ናይ`ቶም ኣብ ዙርያኦም ዝርከቡ ሰባት ይዀኑን። ነቶም ልሙዳት ዶባት ናይ ግቡእ ስነ-ምግባር ምሕላው፡ ንገለ ዝኽትምና ዘጋጠሞም ነኣሽቱ መንእሰያት ስምዒት ዳግመ-ርጉጽነት ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ብህጻንነቶም ዝኽትምና ዘጋጠሞም ነኣሽቱ መንእሰያት፡ ብዛዕባ መጻኢ ህይወቶም ክሓስቡን ክውጥኑን፡ ከምኡ`ውን እቲ ብሞት ዝኸሰርዎ ሰብ ኣብ ህይወቶም ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ ምሉእ-ብሙሉእ ክግንዘቡ ህርድግ ክብሉ እንከለዉ፡ ንስምዒት ጓሂኦም ዳግማይ ከሰላስልዎ ከድልዮም ይኽእል እዩ።

 


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።