ዘኸትም ህጻናትን ሞት ዘጋጠሞም ስድራ-ቤታትን ከመይ ገይሮም ንዘጋጠሞም ሓዘን ክግንዘብዎን ክዋጽእዎን ከምዝኽእሉ መብርሂ ብምሃብ ንእትሕግዝ ሓጻር ናይ ኣኒሜሽን ፊልምና ተዓዘብዋ።

ክንውለድ `ከለና ስውርቲ ዝዀነት ባሊጃ ንወሃብ ኢና። ናብ ዝኸድናዮ ቦታ ንማልኣ።

ብኸመይ ነገራት ኣብኣ ይጥርነፉ - ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ እዩ...

ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ሞላኣ ይነጥር እሞ ባዕላ ክትክፈት ትኽእል።

ኣብ ባሊጃና ሰለስተ ዓይነት ነገራት ኣለዉ፦

ከም`ቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንመሃሮም ፍጻሜታት ዝኣመሰሉ ሓቅታት

ከም`ቲ ኣብ እዋን ኣውደኣመት ተውዛሕዛሕ ክንብል እንከለና ዝስምዓና ስምዒት ሓጎስ ወይ ድማ ምናልባሽ ከም`ቲ ንዓና ፍሉይ ዝዀነ ሰብ ብሞት ክፍለየና እንከሎ ዝስምዓና ስምዒት ጓሂ ዝኣመሰሉ፡ ስምዒታት ዝሓዘሉ ሓቅታት።

ኣብ መወዳእታ ድማ፦ ስምዒታት። እዞም ክዉንነታት እዚኣቶም ፈጺምና ኣብ ዘይንጽበዮም እዋን ፈንጺጎም ካብ ባሊጃና ክወጽኡ እሞ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ናብ ዝሓለፍናዮም ዝኽርታት ህይወትና ክመልሱና ይኽእሉ እዮም።

ምናልባሽ ኣብ ረድዮ እንሰምዖ ሙዚቃ ወይ ሽታ ናይ ጥርሙስ ጨና ንገለ እንናፍቖ ሰብ ከዘኻኽረናን ከብክየናን ይኽእል እዩ።

እዛ ባሊጃና ክትክፈት እንከላ ንነገራትና ክንቈጻጸሮም ዝከኣል እኳ እንተዘይኰነ፡ ክንትክፈት እንከላ እንታይ ከምእንገብር ክንመርጽ ግን ንኽእል ኢና።

እቲ ዝበለጸ ስምዒታትናን ስምዒታውነትናን ክንቈጻጸረሉ እንኽእል መገዲ፡ ከስተሓፍረናን ከላግጸልናን ምስ ዘይክእል ሰብ ብዛዕባኡ ምዝርራብ እዩ።

ኣብ ገሊኣቶም እዋናት፡ ምሳና ዘሎ ሰብን ሽዑኡ እንገብሮ ዘለና ነገርን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ባሊጃና ክንዓጹ ጥራይ ክንደሊ ተኽእሎ ኣሎና። እዚ እውን ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን።

ይኹን`ምበር፡ ብስምዒታትና ብቐጻሊ ምቕባር ንባሊጃና ብኽብደት ዓቕላ ከጽብበላ ይኽእል እዩ።    

ባሊጃና ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘላ ኰይኑ ምስዝስምዓና፡ ምስ እንኣምኖ ሰብ ክንዘራረብን ካብኡ ሓገዝ ክንሓትትን ንፈትን።

ነዛ ስውርቲ ባሊጃ እዚኣ ሒዝና ክንጐዓዝ እንከለና ገዛእ-ርእስና ንከናኸን።  

 

ሰናይ ጕዕዞ!


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።