ኣብ ገለ እዋን ናይ ተመኵሮ ህጻንነቶም፡ ዝበዝሑ ህጻናት፡ ከም ሓደጋ፡ ባርዕ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኲናት ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ዝኣመሰለ ተመኵሮ የጋጥሞም ወይ ብዛዕባኡ ይሰምዑ እዮም። ብዓለም ደረጃ፡ ራዕዲ ዘስዕቡ ህዝባውያን ኣጋጣሚታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብጽዑቅ ጸብጻብ ይቐርበሎም እዩ። እዚኣቶም ድማ ወለዲ፡ ሰራሕተኛታት ቤት-ትምህርቲ ይኹኑ ህጻናት ብዛዕባ ገዛእ-ርእሶምን ካልኦትን ንኽሻቐሉ ጠንቂ ይዀኑ። ህጻናት ንሓደ ተመኵሮ ናይ ኣብ ዘርዕድ ኵነታት ዝኣተወ ሰብ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ክዀኑ ወይ ድማ ንሳቶም ንባዕሎም ከምኡ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ዘሕለፉ ክዀኑ ይኽእሉ። ዓበይቲ ብወገኖም ንህጻናት ከመይ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ክህብዎም ከምዝግባእ ርግጸኛታት ዘይክዀኑ ይኽእሉ። ሓደ ህጻን ነዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ባዕሉ ይሕለፎ-ኣይሕለፎ ብዘየገድስ፡ እዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ስምዒት ናይ ዘይምትእምማን ዘሕድርን ሻቕሎት ዘስዕብን እዩ። እዛ ዓለም ድማ ከም ኣዝያ ውሕስነት ዝማሕደጋን ባህርያዊ ስርዓት ናይ ነገራት እተዛብዓላን ቦታ ኰይና ክትስምዓና ትኽእል።

ህጻናት መልሰ-ግብሪ ክህቡሎም ዝኽእሉ መገድታት

ሓደ ህጻን ገለ ዘፍርሕ ነገር ምስኣጋጠሞ ስምዒት ጓሂ ከንጸባርቕ ንቡር እዩ። ዝበዝሑ ህጻናት ድማ ገለ ስምዒት ናይ ዘይምርግጋእ፡ ሕርቃን ወይ ናይ ሓጺር እዋን ፍርሒ የርእዩ። ይኹን`ምበር፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ዝኽትምና ብሞት ናይ ቀረባ ሰቦም ዘጋጠሞም ህጻናት ወይ ነቲ ኵነታት ባዕላቶም እተመኰርዎ ህጻናት፡ ሓያል መልሰ-ግብሪ ከርእዩ ተኽእሎ ኣለዎም። ነፍሲወከፍ ህጻን ብውልቁ ዘርእዮ ናይ ገዛእ-ርእሱ መልሰ-ግብሪ ክህልዎ እዩ። እዚ ግን ምስ ዕድመን ደረጃ ምርዳእን፡ ከምኡ`ውን ምስ ባህላዊ ድሕረ-ባይታን ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኵሮ ናይ ከም`ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታትን እቲ ዝረከብዎ ደገፍን ኣብ ግምት ብምእታው ዝፈላለ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ`ቲ ህጻናት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ተመኵሮ ምስ ካልኦት ሰባት ንኽዘራረቡ ዘለዎም ዕድላት እውን ዝምርኮስ እዩ፤ ምኽንያቱ እዞም ዝርርባት እዚኣቶም ብዛዕባ ነገራት ስምዒታዊ ግንዛቤ ንኽረክቡ ይሕግዝዎም እዮም።

ህጻናት ብኣካል ራዕዲ ኣብ ብፈጥሩ ኣጋጣሚታት ይሕለፉ ወይ ብዛዕባኦም ጥራይ ሰሚዖም ይኩኑ ብዘየገድስ፡ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ተመኵሮታት ኣብ ዝፍጠሩሉ እዋን ዝንጸባረቑ ናይ ሓባር መልሰ-ግብርታት እዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ዘለዉን ካልኦትን እዮም፦

  • ናይ ድቃስ ጸገም ወይ ምብህራር
  • ብሓፈሻኡ ዝያዳ ድሁል ምዃን
  • ኣእምሮኣዊ ዝኽሪ ናይ`ቲ ተመኵሮ ምህላው (ህርጕ ዝብሉ ስእልታት ኣእምሮ ናይ`ቲ ኣጋጣሚ)
  • ካብ ሰባት ክትፍለ ዘይምድላ ከምኡ`ውን ካብ ወለዲን ኣለይትን ብዛዕባ ምፍላይ ዝመጸ ጭኑቕ ምዃን (ብፍላይ ነኣሽቱ ህጻናት)
  • ለውጢ ኣብ ሸውሃት
  • ዝያዳ ስምዒታዊ ምዃን (ከም ልዑል መጠን ሕርቃን፡ ጓሂ ወይ ምድንጋር)
  • ብዛዕባ ንቡራት ንጥፈታት ተገዳስነት ምጥፋእ
  • ኣድህቦ ንምግባር ምጽጋም
  • ከም ናይ ከብዲ ቃንዛን፣  ሕማም ርእስን ዝኣመሰሉ ኣካላውያን ምልክታት
  • ስምዒት ቀጨውጨው
  • ምንቍልቋል ኣብ ውጽኢት ንጥፈታት ትምህርቲ
  • ዘይርትዓዊ እምነታት (ንኣብነት፡ ጠንቂ ናይ`ቲ ፍጻሜ ንስኻ ከምዝዀንካ ጌርካ ምእማን)
  • ነቲ ፍጻሜ ብመልክዕ ጸወታ ምድጋሙ ወይ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ተመኵሮ ብዙሕ ምሕሳብ  

ገለ ህጻናት ንገለ ካብ`ዞም መልሰ-ግብርታት ብቐጥታ ከርእይዎም እንከለዉ፡ ካልኦት ግን ጸኒሖም ምስ ግዜ እዮም ዘንጸባርቕዎም። ዝምልከቶ ህጻን እዚ ኩሉ ተግባራት ንቡር ምዃኑ፡ ከምኡ`ውን ስምዒት ጓሂ፡ ፍርሒ፡ ወይ እተሓዋወሱ ስምዒታት ምህላው ጸገም ከምዘይብሉ፡ ከምዝፈልጥ ምግባር ስምዒት ናይ ምትእምማን/ዳግመ-ርጉጽነት ከም ዘሕድር ክገብሮ ይኽእል። ህጻናት ነቲ ዘጋጠሞም ተመኵሮ ኣብ መዓልታዊ ጸወታኦም ብተግባር እንተደገምዎ እውን ንቡር እዩ። ስለዚ፡ ሓደጋ ማኪና ዝረኣዩ ነኣሽቱ ህጻናት መጻወቲኦም ንዝዀና ማካይን ንሓድሕደን ከጋጭውወን ወይ ኣብ ቴሌቪዥን ዘስካሕክሕ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምዕዛቦም ንባልቡላኦም ክወግኡ  ክንዕዘብ ንክእል። እዞም ዝንባለታት እዚኣቶም ህጻናት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ተመኵሮ ስምዒታዊ ግንዛበ ዘጥርዩሎም መገድታት ኰይኖም፡ ብዛዕባኦም እዞም ዝንባለታት ዝመጸ ድማ ዘሰክፍ ነገር የልቦን። ህጻናት ካብ ዘጨንቕ ተመኵሮ ናብ ህድኣት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ቀልጢፎም ክሰጋገሩ ይኽእሉ። ኣብ ሓደ እዋን እናቘዘሙ ክጸናንዑ ዘይክእሉ መሲሎም ክረኣዩ ጸኒሖም፡ ከይደንጐዩ `ክጻወት ክኸይድ ዶ` ወይ `ቴሌቪዥን ክርኢ ዶ` ክብሉና ይረኣዩ። እዚ እውን ኣዝዩ ንቡር ተርእዮ ኰይኑ ንኣዋጣሪ ኵነታቶም ዝዋጽኡሉ ናይ ገዛእርእሶም መገዲ እዩ።

መብዛሕትኦም ህጻናት ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ ናብ ንቡር ባህርያቶም ይምለሱ እዮም፤ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ተመኵሮኦም ንኽዛረቡ ዕድል ረኺቦም እንተጸኒሖም። ገለ ህጻናት ኣብ ህይወቶም ንኻልኦት ግድላት እውን ክዋጽኡሉ ዘኽእሎም መንፈስ ጽንዓት የማዕብሉ እዮም። እቲ ዘርእይዎ መልሰ-ግብሪ ንቡርን ኩሉ ሰብ ዝጽበዮን ምዃኑ ከምዝፈልጡ ምግባር፡ ስምዒት ዳግመ-ርጉጽነት ዘሕድረሎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንባዕሉ ጸቕጢ ኣእምሮ ዘሕድሩ ስምዒታት ኣብ ምንካይ ሓጋዚ እዩ።

ኣብ ገሊኣቱ  ዓበይቲ ብዛዕባ እቲ ተመኵሮ/ፍጻሜ ካብ ፈጺምካ ብዘይ ምዝርራብ  ንህጻናት ክንከላኸለሎም ንፍትን ኢና። ንህጻናት መሊሱ ከየጨንቖም ወይ ንዅነታቶም ዝበኣሰ ከይገብሮ ንፈርሕ። ይኹን`ምበር፡ ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ብዛዕባ እቲ ተመኵሮ እንተ ኣዕሊሎም ኢዩ  ንዕኦም ዝያዳ ሓጋዚ ዝከውን። ምስ ህጻናት ብዛዕባ እቶም ራዕዲ ዘሕደሩሎም ነገራት ምዝታይ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ስምዒታዊ ግንዛቤ ብምጥራይ ስምዒት ፍርሒ ንኸጕድሉ ይሕግዞም።

ዓበይቲ፡ ሓደ ህጻን ንኽዛረብ ድሉው ከምዝኮነ ገምጋም ኵነታቱ ብምውሳድ ብጥንቃቐን ዝጥዕም እዋን ዝርርብ ብምምራጽን ክንሕግዞ ንኽእል። ከመዮ ሓደ ህጻን ዝበለና፦  

"ስለምንታይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ስድራ-ቤትካ ጕህዩን ተጨንኒቑን ከምዘሎ ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ፤ ምኽንያቱ፡ እንታይ የጋጥም ኣሎ እንተዘይፈሊጥካ፡ እቲ ጸገም ናትካ ምዃኑ ካብ ምሕሳብ ክትቍጠብ ኣይትኽእልን ኢኻ።"

ክንብሎ ዘለና

  • ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ተመኵሮ መብርሂ  ግዜ ሂብና ንግለጸሎም፣ ብምፍላይ ሕቶታት ንኽሓቱ ድማ ነተባብዓዮም።
  • ግሉጽነት ዘለዎምን ቅኑዓትን ንኹን። ህጻናት ብዛዕባ ሓደ ራዕዲ ዝፈጥር ኵነት ዝመጸ ንሳቶም ክግንዘብዎ ዝኽእሉ ሓበሬታ ምስዘይረኽቡ ወይ ሰባት ብዛዕባኡ መልሲ ኣብ ምሃብ ምስ ዝወላወሉ፡ ዝያዳ ፍርሒ ክዝርኣሎም ይኽእል ኢዩ።
  • ምስ ዓቕሚ ምርድኦም ዝኸይድ ደረጃ ቋንቋ ንጠቐም።
  • ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይንሃብ – ሓደ ህጻን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ተመኵሮ ስምዒታዊ ግንዛበ ንኽረክብ ዘኽእሎ እኹል ሓበሬታ ንሃብ ደኣ`ምበር ካብ ግቡእ ንላዕሊ ዝዀነ ሓበሬታ ኣይነሰክሞ። ንብሙሉኡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብሓንሳብ ክበጽሕዎ ኣየድልዮምን እዩ። ምስ ግዜ ቀስ ኢሎም ተወሳኺ ሓበሬታ ክሰንቁ ይኽእሉ እዮም። ህጻናት ተወሳኺ ሓበሬታ ምስዝደልዩ ሕቶ ከቕርቡልና እዮም።
  • ብዛዕባ ዘይድገሙ ኣጋጣሚታት ናይ ህይወት ዝመጸ፡ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣብ ዝዀነ እዋን ዘጋጥሙ ምኳኖም፡ ስለዚ ድማ ኢና ብዛዕባኦም ድማ ምስተፈጸሙ ጥራይ እንሰምዕ ምዃንና ጸቒጥና ነረድኣዮም።
  • ምሳታቶም ብዛዕባ `ሕማቓት ሰባት` ካብ ምዝርራብ ንቈጠብ፤ ምኽንያቱ ንህጻናት ዘርዕዶም ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡ ብዛዕባ `ሕማቓት ተግባራት` ወይ `ዘሕዝኑ ፍጻሜታት፡ ነዕልሎም።
  • ህድእ ኢልና ብዙሕ ስምዒት ዳግመ-ርጉጽነት ነሕድረሎም።

ንነኣሽቱ ህጻናት ከምዚ ብዝመስል ዘረባ ክንዛረቦም ንኽእል፦

"ሎሚ ኣብ ለንደን ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር ኣጋጢሙ ኣሎ። ሓደ ማኪና ዝዝውር ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ማእከል እኩባት ሰባት ኣትዩ፤ ገለ ሰባት ሞይቶም። ብዛዕባኡ ኣብ ቴሌቪዥን ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ፤ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻሜ ዘይንቡርን ሳሕቲ ዘጋጥምን እዩ። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባኡ ይዛረቡ ኣለዉ፤ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ነገር ምግጣሙ ዘሕዝን እዩ።"

 

ዝጎበዙ ህጻናት ብዙሕ ሕቶ ክህልዎም ስለዝኽእል ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ዝያዳ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከድልዮም ይኽእል እዩ።

ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ነገር እንታይ ኣሎ

  • እንተ ኽኢልና፡ ከም ትምህርቲ፡ ንጥፈታት፡ እዋናት ድቃስን እዋናት መግብን ኣብ ዝኣመሰሉ ልሙዳት መዓልታዊ ንጥፈታት ክንቅጽሎም ንፈትን። ናብ `ንቡር` ኵነታት ምምላስ፡ ህጻናት ህይወት ቀጻልነት ዘለዋን ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ነገራት ብሓፈሻኡ ክንግምተላ እንኽእልን ምዃና ከምዝስምዖም ዝገብር ስለዝዀነ፡ ስምዒት ዳግመ-ርጉጽነት ዘሕድረሎምን ብውሽጦም ውሕስነት ዝህቦምን እዩ።
  • ንህጻናት ብዛዕባ ውሕስነት ገዛእ-ርእሶም ዝመጸ ህድእ ኢልና ስምዒት ዳግመ-ርጉጽነት ከነሕድረሎም ክንክእል ምእንቲ፡ ንናይ ገዛእ-ርእስና ስምዒታት ራዕዲ ክንቈጻጸር ንጋደል።
  • ህጻናት ብዛዕባ ፍጻሜታት ንኽዛረቡ ዕድላት ንሃቦም፤ ከምኡ`ውን ንኽዛረቡ ከየገደድና ሕቶታት ንኽሓቱ ነተባብዓዮም።
  • እንኣልዮ ህጻን ስምዒቱ ንኽገልጽ ነተባብዕ። ቃላት ተጠቒሞም ሓሳባቶም ክገልጹ እንተዘይክኢሎም፡ ከም ጥበባውያን ምስልታትን ኢደ-ስራሓትን ዝኣመሰሉ ነገራት ተጠቒምና መሃዝነት ብዘለዎም ኣገባብ ከነዘራርቦም ንፈትን። ውላድና ዘጕስጦ ንእሽጠይ ፍርናሽ ክንቅርበሉ ንኽእል፣ ወይ ከም ጉያ፡ ዝላ ድዩስ ብኸብዲ እግርኻ ምድሪ ምህራም ኣብ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ንጥፈት ከምዝጽመድ ክንገብር ንኽእል። ጕብዝ ዝበሉ ህጻናት ስርዓ ናብ ዝሓዙ ንጥፈታት ስፖርት ገጾም ክቕለሱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኵዕሶ እግሪ፡ ኵዕሶ ሰኪዔት ወይ ንጥፈታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ጂም)።
  • መልሰ-ግብርታቶም ንቡራት ምዃኖምን ድሕሪ ከምኡ ዝኣመሰለ ፍጻሜ ምግጥሙ መልሰ-ግብሪ ክህቡ እንጽበዮ ምኳኑን፡ ከምኡ`ውን እቲ ዘለዎም ኣዋጣሪ ስምዒት ምስ ግዜ ቀስ ኢሉ ምህሳሱ ከምዘይተርፎ ነፍልጦም።
  • ብዛዕባ ውሕስነቶም ዳግመ-ርጉጽነት ከምዝስምዖም ንግበር፣ ካብ ናይ ንቡር እዋን ንላዕሊ ንሕቈፎም፣ ልምሉማት ባምቡላታት ንኽሓቝፉ ድማ ነተባብዓዮም። እዚ ዅሉ ተወሳኺ ምትህድዳእ ዝፈጥረሎምን ኣብኣቶም ስምዒት ውሕስነት ዘተባብዕን እዩ።
  • ምሳታቶም ሓቢርና ኣብ ዘዛንዩ ንጥፈታት እንጽመደሉ ግዜ ሃሰው ንበል፤ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢና ናብ ዝርከብ መናፈሲ ቦታ (ፓርክ) ብእግርና ምዝዋር ዝኣመሰለ።

ህጻናት ብዛዕባ ገዛእ-ርእሶም ድዩስ ብዛዕባ ከይጕድኡ ዝሰግኡሎም መቕርቦም ምጭናቕ ክጅምሩ እውን ተኽእሎ ኣለዎም። እቲ ዝሰግእዎ ከጓንፍ ከምዘይኰነ ጠቒስና ፍጹም ዝዀነ ስምዒት ዳግመ-ርጉጽነት ከምዝሓድሮም ክነገብር ዘይከኣል እንተዀነ እኳ፡ እቲ ስግኣት ዝፈጥር ፍጻሜ ሳሕቲ ዝረአ ምዃኑ ጸቒጥና ከነረድኦም ግን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዕድመ ኵትትና ዝርከቡ ነኣሽቱ መንእሰያት ኣብ ንጥፈታት ማሕበራዊ ሚድያ ኢዶም ዘእትዉ እንተዀይኖም ብዛዕባ ክዉንነታት ናይ ህይወት ብዝያዳ ክግንዘቡ እዮም። ይኹን`ምበር፡ እቲ ዝሰምዕዎን ዝርእይዎምን ናብ ስምዒታውነት ገጹ እተደረኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብኢድ ሰብ ዝፍጸም ቅትለት ወይ ጃምላዊ ህልቂት፡ እዛ ዓለም እዚኣ እተስግእን ሓደገኛን ቦታ ምዃና ዘእምን ስምዒት እዩ ዝስርኽ። ተደጋጋሚነት ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ድማ ካብ ክዉንነት ንላዕሊ ብቐጻሊ ከም ዘጋጥሙ ከምስል ይኽእል።

ፍጻሜታት ናይ ዓለም

ኣብ ገለ ቦታ ወይ ሃገር ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኲናት ወይ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኣመሰለ መጠነ-ሰፊሕ ሓደጋ ምስዘጋጥም እሞ ብዛዕባኡ ኣብ መራኸቢ-ብዙሓን ምስዝሕበር፡ ንጽልዋኡ፡ ኣብ ትምህርቲ ናይ ውላድና ክንርእዮ ዝከኣል እዩ። ንቤት-ትምህርቲ ናይ ውላድና፡ እቲ ጉዳይ ኣብ`ቲ ቤት-ትምህርቲ ብኸመይ ከምዝተሓዝ፡ ከምኡ`ውን ከመይ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ከምዝተዋሃሃቡ ክንሓትት ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባርና ከመይ ጌርና ምስ ውላድና ብዛዕባ ክስዕብ ዝኽእል ስምዒት ራዕዲ ከም እንዝቲ ክንግንዘብ ይሕግዘና፤ ብፍላይ እኳ እቲ ፍጻሜ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘጋጠመ እንተዀይኑ።

ንዓና ዝኸውን ደገፍ

ንሕና ንርእስና ብዘፍርሕ ፍጻሜ ንሽገር እንተሃሊና፡ ንገዛ-ርእስና ዝያዳ ሓገዝ ከምእንረክብ ንግበር። ህጻናት ንስምዒት ጭንቀት ናይ`ቶም ኣብ ዙርያኦም ዝርከቡ ዓበይቲ ቀልጢፎም እዮም ዘለልይዎ፤ ዋላ`ውን ዓበይቲ ንስምዒታቶም ክሓብኡ እንተፈተኑ።

ተወሳኺ ሓገዝ

ዘፍርሕ ፍጻሜ ድሕሪ ምጕናፉ፡ ዝሓጸረ እዋን ስዒቦም ብዙሓት ንሓድሕዶም ዝጋጨዉን እተሓዋወሱን ስምዒታት ክኽሰቱ እዩ ትጽቢት ዝግበር። ብዙሓት ህጻናት ድማ ስምዒት ጓሂ የንጸባርቑ። ይኹን`ምበር፡ ህጻናት ኣብ ዝተናውሐ እዋን መመሊሶም እናተጨነቑ ምስዝኸዱ ወይ ባህርያቶምን ስምዒታቶምን ንመዓልታዊ ንጥፈታቶም እናጸለዎ ምስዝኸይድ ድዩስ ዘሰክፍ ምስዝኸውን፡ ብዛዕባ ኵነታቶም ምስ ዶክተር ምዝርራብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። መን ገለ ተወሳኺ ሓገዝ ክገብረልኩም ከምዝኽእል ከማኽረኩም ተኽእሎ ኣሎ።


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።