ብደቅና ከም እንግደስ ሰባት መጠን፡ ህጻናት ኣብ ዓሚቝ ስምዒት ሓዘን ወይ ጓሂ ናብ ዝጠንቁ ተስፋ ምቝራጽ ክኣትዉ ዓቕሞም ኣየፍቅደሎም እዩ ኢልና ክንሓስብ ኢና እንፈቱ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና፣ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን። ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ከም ናይ ዓበይቲ ዝዕምቈቱ ስምዒት ሓዘን ኣለዎም። ይኹን`ምበር፡ ፍልይ ብዝበሉ መገድታት እዮም ዘንጸባርቕዎ። ብከመይ ከም ዝሓዝኑ  መልሰ ተግባር እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብምቕዳሕ እዮም ዝመሃርዎ። ህጻናት ኣብ እዋን ሓዘኖም ንምሕጋዞም ኣድላዪ ዝበሃል ነገር ንኽገብሩሎም ኣብ ዓበይቲ ይምርኰሱ።

ህጻናት ንስምዒታት፡ ሓሳባትን ዝኽርታትን ብቓላቶም ንኽገልጽዎም ድሩት ዓቕሚ ስለዘለዎም፡ ኣምሳያ ብቓል ምግላጾም፡ ብመገዲ ባህርያቶም `ብግብሪ ከርእይዎም` እዮም ዝፍትኑ። ቀስ-ብቐስ ነቶም ንስምዒታቶም ክገልጹሎም ዝኽእሉ ቃላት ካብ ዘረባና ይወስድዎም። ንስምዒት ሓዘንና ምስእነንጸባርቖ ንሳቶም እውን ብወገኖም ከምኡ ንኽገብሩ ይተባብዑ። ባህርያቶም ብዛዕባ ስምዒቶም እንፈልጠሉ ቀላሲ መወከሲ እዩ። እዚ ኣብ ተመኵሮ እዚ ልኽዕ ከምቲ ኣብ ነኣሽቱ ህጻናት፡ ኣብ ኰተቴታት እውን ዝድገም እዩ።

ህጻናት ብተፈጥሮኦም ናብ ስምዒት ናይ ሓዘኖም ናይ ምእታውን ምውጻእ መንፍዓት ኣለዎም። ኣብ ሓንቲ ደቒቕ ብኸቢድ ጕህዮም ጸኒሖም፡ ሃንደበት ናብ ሕጉስ ጸወታ ከላግሱ ይክእሉ። እዚ ጓሂ ከም ዘይብሎም ዘምስል ተርእዮ እዚ፡ ንሕና ዓበይቲ ህጻናት ከም ዘይጽለዉ ጌርና ክንኣምን ይድርኸና።  እንተኮነ ግና፣ እዚ ‘ካብ ዓዘቕቲ ምውጻእ’ ካብንናብን ሓዘን ናይ ምእታውን ምውጻእን ጠባይ፣ ሓደ ባህርያዊ ናይ ድሕነት መስርሕ ኮይኑ፣ ካብ ምጻሩ ዘይከኣሎም ሓያል ስምዒት ንከይጋለጹ ዝከላከል እዩ።

ህጻናት እናጐበዙ ኣብ ዝኸዱሉ፡ እዚ ትዕድልተ-ባህርይ ዝዀነ ዝንባለ `ካብ ዓዘቕቲ ምውጻእ` ኣሸጋሪ ይኸውን እሞ ኰተቴታት ሓደ ዓይነት ጠባይ እናኣንጸባረቑ ንነዊሕ እዋን ይቕጽሉ፤ ንኣብነት፡ ገዛእ-ርእሶም ምግላል ወይ ብስራሕ ኣመና ጽሙዳት ምዃን።

ሓንቲ ኣደ ከም`ዚ ክትብል ተዛሪባ፦

ጓል-ዓሰርተ-ዓመት ውላደይ ዝገደሳ ኣይትመስልን እያ። ኣብታ መዓልቲ ንሕና ስለዝበኸና ምሳና በኽያ። ድሕሪኡ ግን ብፍጹም ኣይበኸየትን።

 

ንሓደ ብዕድመ ንእሽተይ ዝዀነ እሞ ቃንዛ ውሽጡ ዘፋኩሰሉ መንገዲ ፡ ኣዝዩ ጽሙድ ዝኮነ ማሕበራዊ መደባት ብምግባር ክኸውን ይኽእል'ዩ። ወይ ድማ ካብ ኵነታቶም ሃዲሞም ምስ ገዛእ-ርእሶም ብምሽራው፡ ሰባት ንዝገብሩሎም ሓገዝ እናተሓሰሙ ንምዝርራቦም ብሓፈሻኡ ኣሸገርቲ ይዀኑ። እቶም ንሕና እንኣልዮም ነኣሽቱ መንእሰያት ኣብ ከም`ዚ ዓይነት ተርእዮ ምስዝህልዉ፡ ዕጉሳት ብምዃን፡ መመሊስና ገና ኣብ ጐድኖም ከምዘለና ነረጋግጸሎም። ይኹን`ምበር፡ ንኸዘራርቡና ጸቕጢ ኣይንግበረሎም።

ኣብ ሞንጎ ስምዒት ሓዘን ናይ ዓበይትን ህጻናትን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ገሊኡ ብኸም`ዚ ዝስዕብ መልክዕ ይምሰል እዩ፦ ህጻን ናብ ዓዘቕቲ ጓሂ  ይኣቱን ይወጽእን'ዩ ዓቢ ግን ኣብ ጓሂ ይጥሕል እሞ ከም ብውሕጅ እናተኸብከበ ካብኡ ንምውጻእ ይጽገም።

ናይ ሓባር መልሰ-ግብርታት፡ ስምዒታትን ባህርያትን

ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ብዛዕባ ሞት ናይ መቕርቦም ዝመጸ ከቢድ መልሰ-ግብሪ ከንጸባርቑ ንቡር እዩ፤ ዋላ እውን እዚ ሓያል ስምዒት እዚ ኪንዮ ክቡር ነገር ዝኸደ እንተመሰለን ከምኡ ኰይኑ እንተተሰምዓናን። ኰተቴታት፡ ህይወት ንዕኦም ድሮ ግድላትን ዘይርጉጽነትን ዝመልኣ ስለዝዀነት፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ሓያልን ዓሚቝን ስምዒት ምንጽብራቕ ከቢድ ኰይኑ ይረኽብዎ። ናይ ሓደ ህጻን ኣድህቦ ኣብ ምግባር ዘለዎ ዓቕሚ፡ ምስ`ቲ ሓበሬታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ምምስራሕ/ምርዳእ ዘለዎ ብቕዓት ዝዳረግ እዩ። ኣብ ጥርዚ ናይ ከበድቲ ስምዒታቶም ምስበጽሑ ናብ`ቶም ክቈጻጸርዎም ዝኽእሉ ስምዒታት ገጾም ከላግሱ ይኽእሉ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ፍርሒ ወይ ጓሂ ክዛረብ ዘይደለየ ህጻን ግቡእ ብዘይኰነ መልክዕ ክስሕቕ ተኽእሎ ኣለዎ። እዚ ተገዳስነት ናይ ዘይምህላው ክመስል ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ብልክዕ ክንዛረብ እንተዄንና ግን ካብ ክቱር ስምዒታዊ ተጽዕኖ ዘገላግል ድሕነታዊ ሜላ ተፈጥሮ እዩ። እቲ ሓደ ህጻን ወይ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ብዛዕባ ሞት ናይ ሰቡ ዝመጸ ዘርእዮ መልሰ-ግብሪ፡ ብመንጽር ዕድመኡን ናይ ግንዛቤ ዓቕሙን፡ ከምኡ`ውን ብመንጽር ምስ መዋቲ ዝጸንሖ ዝምድናን ኣማውታ ናይ`ቲ ሰብን ዝጽሎ እዩ።

ደረጃ ዕድመን ናይ ግንዛቤ ዓቕምን

ኵላቶም ህጻናት ካብ ሓድሕዶም ዝፈላለዩ ኰይኖም፡ ንኣብነት ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሚኦም ካብ`ቶም ብዕድመ ዝዓብይዎም ብዝያዳ ነቲ ኵነታት ብዝሓሸ መገዲ ክግንዘብዎን ምሉእ ትርጉም ናይ ሞት ክፈልጡን ይኽእሉ።

ብዕድመ ዝዓበዩ ህጻናት ብሓፈሻኡ ዝያዳ ግንዛበ ኣለዎም። ትርጉም ሞት ብምልኣት ክርድኦም ምስጀመረ፡ ንገለ ህጻናት ኣዝዩ ዘይጽወር ተመኵሮ እዩ ዝዀኖም። እዚ ድማ ኣብ ርእሰ-ምክልኻል ናብ ዘድሃበ ምሕንጋድ ገጹ የምርሖም እሞ ውሽጦም ከምኡ ዘይኰነ ክነሱ ዝያዳ ደሓን ዘለዉ ይመስሉ።

ሕቋፋት ህጻናትን እግሪ-ተኽልታትን

ኣብ`ዚ ደረጃ ዕድመ እዚ ብዛዕባ ኣምራት ሞትን ምሟትን ዝተሓተ መረዳእታ ወይ ግንዛበ ይህሉ። ይኹን`ምበር፡ ሓደ ንዕኦም ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብ ካብኦም ተወሲዱ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ስምዒታዊ ግንዛበ ኣለዎም። እቲ ዝስዕብ ስምዒት ናይ ሕዱግነት ካብ ንቡር ንላዕሊ ናብ ዝዀነ `ጥቡቕነታዊ` (ካብ ወላዲ ወይ ኣላዪ ክትፍለ ዘይምድላይ) ጠባይ የምርሕ። ባዕላቶም ዝገልጽዎ ዘረባዊ ቋንቋ ስለዘየሎ፡ እቲ ዘንጸባርቅዎም ስምዒታት ራዕድን ዘይውሑስነትን ብመልክዕ ዘይእበድ ብኽያት  ክገሃድ ይክእል። ቀጻልነት ናይ ኣመጋግባን ድቃስን ክዛባዕ ይኽእል እሞ ዘለዎም ጽቕጢ ብሓፈሻዊ ሕማቕ ኩነታት ብምንጽብራቕ ክገልጹ ይክእሉ።

ካብ እግሪ-ተኽልታት ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት

ደረጃ ምርዳእ ይውስኽ ግን ከኣ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ስምዒታዊ ግንዛቤ ንምርካብ ማዕረ-ማዕሪኡ ድልየት ናይ ሓበሬታ እውን ይብርኽ። ስለዚ ብዙሓት ሕቶታት እዮም ዘቕርቡ። ምስ መዓልታዊ ንጥፈታት ዝተኣሳሰሩ ስምዒታት ራዕዲ ልሙዳት ይኾኑ፤ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ካብ ሰብካ ናይ ምፍላይ ፍርሒ - ዋላ እውን ንሓጺር እዋን ይኹን። ምንቍልቋል ናይ ብስለት ባህርይ ክረአ ተኽእሎ ኣሎ፤ ንኣብነት፡ ኣብ ዓራት ምሻን ከምኡ`ውን ሓፈሻዊ ናብ ቍልዕነት ናይ ምምላስ ዝንባለ። ገለ ህጻናት ክድቅሱ እንከለዉ ጸልማት የፍርሖም። ኣብ`ዚ ክሊ ዕድመ እዚ ዝርከቡ ህጻናት ንሞት ከም ናይ ንሓዋሩ ተመኵሮ ገይሮም ንኽርድእዎ ይጽገሙ። ስለዚ መዋቲ ተመሊሱ ክመጽኦም ይጽበዩ። እዚ ምስዘይከውን ድማ ክሓርቁን ክጕህዩን ይኽእሉ። `ህይወት ዘይምህላው` ዝብል ኣምር ጋን ይኾኖም። ስለዚ ዝሞቱ ሰባት ዝስምዖም ነገር ኰነ ቃንዛ ከምዘይብሎም ደጋጊምና ከነረጋግጸሎም የድልዮም።

ዕድሚኦም መባእታ ትምህርቲ ዝኣኸለ ህጻናት

ኣብዚ ዕድመ እዚ ዘለዉ ቘልዑ ምዉታት ናብ ህይወት ከም ዘይምለሱን ሞት ንዅሎም ሰባት እንተላይ ንገዛእ ርእሶም ከም ዜጋጥሞምን ኪርድኡ ጀሚሮም ኣለዉ ። ብዛዕባ ሞት ንዕኦም ዘገድስዎም ሰባ ስግኣት ክስምዖም ክጅምር ተኽእሎ ኣሎ። ገለ ህጻናት እቲ ተርእዮ ሞት ብሰንኮም ዘጋጠመ ኰይኑ ይስምዖም። ከምኡ እንተ ዀይኑ ገሊኣቶም ነቲ ናይ 'ገበነኛነት' ስምዒቶም ንምኽሓስ ሕያዎት ብምዃን ምላሽ ይህቡሉ ኢዮም። ካልኦት ድማ ነቲ ይግብኣና እዩ ዝብልዎ መቕጻዕቲ ንኽመጽእ ዝዕድም ዘየድሊ ተግባራት የርእዩ። ከምኡ ዓይነት ትጽቢታት እንተዘይሃለወ እውን፡ ሓደ ህጻን ብህይወት ንዘለዉ ዓበይትን ኣባላት ቤተ-ሰቡን ከም ኣላዪኦም ኰይኑ ናይ ምቅራብ ጠባይ የርኢ። ብመገዲ እዚ ዓቢ መሲልካ ክትረአ ናይ ምፍታን ሃቐነኦም ምስ ዕድሚኦም ዘይከይድ ናይ ዓቢ ሰብ ሓላፍነት ክስከሙ ክረኣዩ ይኽእሉ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዉ

ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዝዀኑ መንእሰያት፡ ምልዓል ጕብዝና ቅልጡፍ ለውጢ ዝረኣየሉ መድረኽ ዕድመ እዩ። ስምዒት ብስጭት ድማ ተወሳኺ ተጽዕኖ ምዃኑ ኣይተርፎን። ኰተትየታት ርእሶም ክኽእሉን ዓበይቲ ክዀኑን እናተጋደሉ እንከለዉ ዝቐርቦም ሰብ ብሞት ምስዝፍለዮም፡ ናይ ተጥቃዕነት ስምዒት የማዕብሉ። ዝህልዎም ስምዒት ሓዘን ምስ ናይ ዓበይቲ ዝመሳሰል እኳ እንተዀነ፡ ብኸፊል ከም ዓበይቲ ከምኡ ከኣ ካብ መዛኑኦም ፍሉያት ኰይኖም ክረኣዩ ብዘይምድላይ ዝለዓ ዓብለልቲ ስምዒታት የንጸባርቑ። ገለ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ስምዒት-ኣልቦነት፡ ጸቕጢ ኣእምሮን ስምዒት ሕዱግነትን ይዕብልሎም እሞ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ኰነ ህይወት "እንታይ እዩ`ሞ ትርጉሙ" ዝብል ኣረኣእያ የማዕብሉ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ብማሕበራዊ ህይወት ትሑዝ ምዃን ብዛዕባ ሓዘን ካብ ምሕሳብ ዝዕንቅጽ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ እዋ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን`ምበር፡ ስምዒታት ሓዘን ሃንደበት ዳግማይ ክኽሰቱ ስለዝኽእሉ ምቍጽጻሮም ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደጋ ዘየፍርሖ ኣካይዳ ዘለዎ ወይ ኣንጻር-ሕብረተሰባዊ ባህርይ ዘይርአ'ውን ኣይኮነን።

ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ክሳብ ዘይኰነ ወይ ንህጻን ይኹን ንትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ንቡር ህይወት ከይመርሕ ይኹን ድሕነቱን ውሕስነቱን ንኸይሕሎ ዝዕንቅጾ እንተዘይኰይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ካብ`ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ተርእዮታት ዘሰክፍ ኰይኑ ክስምዓና ኣይግባእን። ሓዘን ንቡር ምኳኑ፣ ልክዕ ሓገዝን ደገፍን ክሳብ ዝረኸቡ ድማ መብዛሕትኦም ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ዝቕየሩሉ ደኣ`ምበር ዝጕድኡሉን ኣጋጣሚ ከምዘይኰነ ክንግንዘብ ኣገዳሲ እዩ።

ምስ መዋቲ ዝጸንሖም ዝምድና

ሞት ናይ ወላዲ ወይ ቀንዲ ኣላዪ ኣብ ህይወት ናይ`ቲ ተኣላዪ ህጻን ኣዕናዊ ዝዀነ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ካልኦት መቕርቦም ከይሞትዎም እውን ይፈርሑ። ስምዒት ናይ ዘይውሑስነት ልሙድ እዩ። ህጻናት ድማ `ሕጂ መን እዩ ክኣልየኒ?` ብዛዕባ ዝብል ሕቶ ዝመጸ ስክፍታ ክህልዎም እዩ። ስምዒት ዘይብሎም ክመስሉ እኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ህጻናት ኣብ ኣዝዩ ጭቡጥ ዓለም ዝነብሩ እዮም። ቀጺሉ ዝኣልዮም ሰብ ከምዘሎ ክፈልጡ እውን ይደልዩ።

ድሕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ናይ ሞት ኣላዪ፡ ህጻናት ሓላፍነት ናይ`ቲ ዝሞተ ወላዲ ክወስዱ ዘለዎም ንሳቶም ባዕሎም ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ፤ ዋላ እውን ከምኡ ክግብሩ ዝጽበዮም ሰብ ዘየሎ ክነሱ። እዚ ገለ ህጻናት ከግብርዎ ዘለዎም ኰይኑ ዝስምዖም ጉዳይ እዩ። እዚ ንኽጻወርዎ ዘሸግሮም ከቢድ ተጽዕኖ ኰይኑ፡ ክስከምዎ ትጽቢት ዝገብረሎም ወይ ግቡእ ዕማም ናቶም ከምዘይኰነ ብዙሕ ዳግመ-ርግጽነት ብዘለዎ መገዲ ከነእምኖም ከድልየና እዩ። ምስ ግዜ፡ ኩሉ ሰብ፡ ሓደስቲ ልሙዳት ንጥፈታት ናብ ዘሰላስለሉን ሓድሽ መልክዕ ኣገባባት ኣፈጻጽማ ናብ ዝስዕበሉን፣ ሓድሽ ንቡር ህይወቱ ብምርዓም ክቕጽል ይኽእል እዩ።

ኣባል ስድራ-ቤት ዝዀነ ህጻን ብሞት ምስዝፍለ፡ ብርዱእ ምኽንያት ምስ`ቲ መዋቲ ተኣሳሲሮም ዝጸንሑ ስምዒታት ስለዘለዉ፡ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ናይ ሕዱግነት ስምዒት ክዕብልሎም ይኽእል እዩ። ኣሕዋት መዋቲ ህጻን ብወገኖም፡ ዓሚቝ ሓዘን በቲ ሓደ ወገን፡ ምስኡ ድማ 'ሕጅስ ንዓና ዝያዳ ክኸናንከኑና እዮም' ዝብል ዝብል ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ስምዒታት ክህልዎም ይኽእል። ብሰንኪ እዞም ሓሳባት ሕማቕ ስምዒታት ክስምዖም ይኽእል። ተርእዮ ስምዒት በደል  ዝለዓለ እዩ። ሓደ ካብቶም ኣሕዋት ምስዝመውት፡ እቶም ብህይወት ዘለዉ ህጻናት `ሓወይ/ሓብተይ ሞይቱ እንከሎ ኣነ ስለምንታይ ብህይወት ኣለኹ` ካብ ዝብል ስምዒት ተበጊሶም ገዛእ-ርእሶም ክሓቱ ይኽእሉ። ንኽሞቱ ተራኦም በጺሑ ከይከውን ክሰግኡ ተኽእሎ ኣለዎም።

ኣብ ኣተኣላልያ ህጻን ብዙሕ ተሳታፊ ኰይኑ ዝጸንሐ ደቂ-ደቁ ዝረኣየ ሰብ፡ ካብ`ቲ ምስ ህጻናት ብዙሕ ዘይዋሳእ ዝነበረ ሰብ ንላዕሊ ተናፋቒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን`ምበር ናይ ሃውሪ ግምታት ዘይምግባር ኣገዳሲ እዩ። ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይመስል ተመኵሮ ሞት፡ ናብ ዝኽሪ ናይ ካልኦት ተማሳሰልቲ ተመኵሮታት ብምምላስ ስምዒት ዝቕስቅስ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣማውታ ናይ`ቲ ሰብ

ኣማውታ ናይ'ቲ መዋቲ ንመልሰ-ግብሪ ናይ ሓደ ህጻን ዝጸሉ እዩ። ሃንደበታዊ ሞት ዘየዳሉ ስለዝዀነ፡ ናይ ስንብታ ዕድል ዝህብ ኣይኰነን። ሓዲገ-መዲግ ናይ ምዃን ስምዒት፤ ተመሳሳሊ ምስ ድማ ኣብ ምዕራፉ ዘይበጽሐ ጉዳይ ዝህሉ ስምዒት ከምጽእ ይክእል። ወላዲ ወይ ኣባል ቤተ-ሰብ  ብዘይተጸበናዮ መልክዕ፡ ከም ብቅትለት ድዩስ ርእሰ-ቅትለት ብዝኣመሰለ ኣገባብ ብዘስካሕክሕ ተመኵሮ ሓሊፉ ምስዝመውት፡ እነርእዮ መልሰ-ግብሪ ልብና ዘምሉቕ ስንባደ ወይ ቀዚዝካ ምትራፍ እዩ ዝኸውን። ነኣሽቱ መንእሰያት ብምኽንያት ከም`ዚ ዝኣመሰለ ኣዘኽታሚ ሞት ኣብ ከቢድ ስቓይ ክኣትዉ፡ ምስ`ቲ ተርእዮ ዝተኣሳሰር ብስጭት ክስምዖም`ውን ይኽእል። ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ ብሞት ዝተፈልዮም ሰብ ክቕየሙሉ ክረኣዩ ዝከኣል እዩ። ምስ መዋቲ ብሓባር ተወጢኖም ዝጸንሑ ንጥፈታት ደጊም ክትግበሩ ስለዘይክእሉ፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝስምዖም ዝኽትምና ዘንቀሎ ናይ ዓቕሊ-ጽበት ስምዒት ድማ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ መልሰ-ግብሪ ይኸውን። ብዛዕባ ንመዋቲ ተዛሪቦሞ ዝነበሩ ወይ ድማ ክብልዎ ሓሲቦም ክንሶም ዕድል ዘይረኸቡሉ ነገር መሪር ጣዕሳ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ሓንቲ ጓል-6-ዓመት ህጻን ሓዋ ብሞት ምስተፈለያ ዝበለቶ፦

ኣብ ገሊኡ እዋናት ንሓወይ ብዙሕ ይፈትዎ ኣይነበርኩን። ሕጂ ክሳብ ክንደይ ናፊቐዮ ከምዘለኹ ንኽነግሮ እንተዝኽእል መን ምሃበኒ።

 

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ተጸቢናዮ ዝጸናሕና ተርእዮ ሞት ካብ ሃንደበታዊ ሞት ብተዛማዲ ብቐሊሉ ክጽወር ዝኽእል እዩ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ግን ከኣ ኩሉ ሳዕ ከምኡ ኣይኰነን። እዞም ተመኵሮታት ዝተፈላለዩ ጥራ እዮም። ንህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ሞት ናይ ሓደ ንገለ እዋን ሓሚሙ ዝጸንሐ ሰቦም'ውን እንተኮነ  ኣዝዩ ኣሰንባዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ብፍላይ እኳ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ዕቱብነት ናይ ሕማሙ ከምዝፈልጡ ተገይሩ ምስዘይጸንሕ።

ሓደ ወዲ-13-ዓመት ወላዲቱ ብሞት ምስተፈልየቶ ዝበሎ፦

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጥቓና ኰይኑ ብዛዕባ ሕጂ ዝዓረፈት መንእሰይ ሰበይቲ ክዛረብ ሰሚዕናዮ። ካብኡ ተበጊሰ ንሳ ወላዲተይ ምዃና ፈሊጠ።

 

ምስ ህጻናት ዋላ እውን ከይመደብናዮ ኩሉ ሳዕ ኢና እንዘራረብ፤ ። ኵነታት ለውጢ ባህርያት ናይ`ቶም ኣብ ዙርያኦም ዝርከቡ ሰባት ኣንቢቦም፡ ገለ ጸገም ኣጋጢሙ ከምዘሎ ድሮ ክግንዘቡ ክኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ትጽቢት ክንገብረሉ እንኽእል ሞት ብዝምልተት፣ ነፍሲወከፍ ዕድል ተጠቒምና ንህጻናት ከነዳልዎም ንፈትን።  

ምሳታቶም ዝኸይድ ልክዕ ደገፍ ክሳብ ዝረኸቡ፡ ዝበዝሑ ሓዘንተኛታት ህጻናትን ነኣሽቱ መንእሰያትን ሓገዝ ሞያዊ  ኣይከድልዮምን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘድልዮም ነገር እዚ እዩ፡- ንሳቶም ዝኣምንዎም ካብ ዓበይቲ፡ ፍቕርን ኣልያን ክረኽቡ እዩ። ካብ ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት፡ ኣባላት ኮም ወይ ድማ ከም መምህራን ካብ ዝኣመሰሉ ብዛዕባ ዝዘኽተሙ ህጻናት ብውልቂ ዝግደሱ ዓበይቲ ደገፍ ምርካብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

 


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።