ህጻናት ከመይ ገይሮም ኣብ ዓዘቕቲ ናይ ጓሂ ይኣትዉን ይወጹን ንዓበይቲ ግንዛበ ኣብ ምሃብ ንዝዓለመት ሓጻር ናይ ኣኒሜሽን ፊልምና ተዓዘብዋ።

ብዕድመ ነኣሽቱ ዝዀኑ ሰባት ናብ ስምዒት ጓሂ ቀልጢፎም ዝኣትዉ ግን ካብኡ ድማ ቀልጢፎም ዝወጹ ኰይኖም ክስምዑና ይክእሉ እዮም ። ነዚ ተመኵሮ እዚ `ካብ ዓዘቕቲ ምውጻእ` ኢልና ንጽውዖ።

ኣብ ጓሂ ዘጥሕል ዓዘቕቲ ስምዒታት ኣብ ኣእምሮና ንስኣል። ህጻናት ሓደ ንዕኦም ኣገዳሲ ዝዀነ ሰብ ብሞት ምስዝፍለዮም ናብ`ዚ ዓዘቕቲ እዚ ክኣትዉ ይኽእሉ። ይኹን`ምበር ህጻናት ብዘገምታ ንነዊሕ ግዜ ስምዒት ጓሂ ክኢሎም ንቕጽሉ ኣይኽእሉ እዮም። ካብ`ዚ ዓዘቕቲ እዚ ዘሊሎም ወጺኦም ኣብ ገለ ዘረሳስዖም ነገር ክጽመዱ የድልዮም። ንኣብነት፡ ምስ ፈተውቶም ክጻወቱ ወይ ናብ መዘናግዒ ቦታ (መናፈሲ) ክመላለሱ።

ከም ዓበይቲ መጠን፡ ንነዊሕ እዋን ብጓሂ ተዋሒጥና ናይ ምቕጻል ዝንባለ እዩ ዘለና። እዚ ተመኵሮ እዞ ልክዕ ኣብ ሩባ ሓዘን ተዋሒጥካ ከም ምኻድ ንቁጸሮ። ህጻናት ካብ ዓዘቕቲ ጓሂ ወይ ሓዘን ቀልጢፎም ዝወጽኡ ስለዝመሰለና ብሞት ናይ ዝቐርቦም ሰብ ተጸለውቲ ከም ዘይኰኑ ጌርና ብጌጋ ክንርድኦም ተኽእሎ ኣሎ።  

ንህጻናት ናብ ዓዘቕቲ ጓሂ  ንኸይኣትዉ ብምትብባዕ ወይ ቅድሚ እዋኖም ካብኡ ከምዝወጽኡ ብምግባር ክንከላኸለሎም ክንፍትን እውን ንረአ ኢና። እዚ ርዱእ ነገር እኳ እንተዀነ፡ ህጻናት ኣብ እዋን ጓሂኦም ምስእንሕግዞም ካብ`ዚ ዓዘቕቲ ብባህርያዊ መስርሕን ኣብ እዋኖምን ክወጽኡ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ዓዘቕቲ ምውጻእ ንቡርን ህጻናት ካብ ጓሂ ምግልጋል ከመይ ከምዝመስል ዝማሃሩሉን መስርሕ እዩ።

ዝኽትምናዊ ሓዘን ንዘጋጠሞ ህጻን ኣብ ምሕጋዝ ምኽሪ ምስዘድልየኩም ናብ ናጻ ናይ ሓገዝ መስመር ተሌፎንና ብ  0800 0288840 ደውሉ፡ ወይ ድማ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ጽሑፋዊ ዕላል ተጠቐሙ፡ ወይ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ፈትሹ።


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።