ንነኣሽቱ ህጻናት ብዛዕባ ሞትን ምሟትን ከነዘራርብ ብዘይ መጠን ኣጸጋሚ ጥራይ ዘይኰነስ ምትግባሩ እውን ተጽዕኖ ዘለዎ ኰይኑ ክስምዓና ዝከኣል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ንሕና ከም ዓበይቲ መጠን ብባህርይና ንህጻናት ካብ ከበድቲ ተመኵሮታት ናይ ህይወት ኣብ ምክልኻል እነርእዮ ዝንባለ ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ህጻናት ነቲ ዘጋጠመ ተመኵሮ ብስምዒቶም ክግንዘብዎ እንተዀይኖም፡ ሓበሬታን መብርህን ክወሃቡ የድልዮም። እቲ ኣወሃህባ ሓበሬታን መብርህን ድማ ቅንዕና ዘለዎ፡ ዘይተሓላለኸን ብዝርድእዎ ደረጃ ቋንቋን ክኸውን ይግባእ።

ምስ እንህቦም ደገፍ፡ ህጻናት፡ ክሳብ ክንደይ ኣሸጋሪ ወይ ኣብ ኣእምሮኦም በሰላ ዝሓድግ እዩ - ብዘየገድስ፡ ምስ ሓቁ ፊት-ንፊት ክገጥሙ ይኽእሉ እዮም። እቲ ንዖም ዝኸበደ ነገር ሓቂ ምሕባእ እዩ። ብፍላይ እቶም ምስ ሞት ዝተኣሳሰሩ ኵነታት ብፍላይ ዝኸበደ ሓዘን ዘስዕቡ ምስዝዀኑ፡ ሓበሬታ ንኽትክውለሎም ዝፈታትኑኻ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን`ምበር፡ ዋላ ኣብ`ዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኵነታት እውን ሓቂ ክንገሮም ጥራይ እዩ ዘሎና። እዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ነጥብታት ኣብ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እንታይ ኢልና፡ ከምኡ`ውን ክሳብ ክንደይን ብኸመይን ክንዛረቦም ከምዘለና ዝመኽሩ እዮ። እቶም ብመልክዕ ርእይቶ ተዋሂቦም ዘለዉ ኣገባባት ኣዘራርባ ግን ከም መወከሲ ጽሑፋት ንክኾኑ ኣይኰነን። እዞም ሓሳባት'ዚኦም፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንዓና ኰነ ንእንኣልዮም ደቅና ቅኑዕ ኰይኑ ዝስምዓና ነገር ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ውስኹልና ዝኽእሉ ምኽርታት ጥራይ እዮም።

ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ንኽንነግሮም እቲ ዝሓሸ እዋን መዓስ እዩ፤ ኣበይ ክንገብሮ ኸ ይግባእ?

  • ኣንጻር እቲ ንሕና ዓበይቲ ንህጻናት ንምክልኻል እነርእዮ ባህርያዊ ዝንባለ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንህጻናት ግን ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ክሰምዑ ኣድላዪ እዩ። ብመጠን ከይነገርናዮም ዝደንጎናዮ - ተክእሎታት ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ብወረ ክሰምዑ ወይ ብዛዕባኡ ብዘይግቡእ ኣገባብ ክፈልጡ ዘሎ ዕድል ይዓቢ። ህጻናት ብዛዕባ ዘለዎም ሃዋህው ኣዝዮም ኣስተውዓልቲ ስለዝዀኑ፡ ገለ ከቢድ ነገር ከምዘጋጠመ ድሮ ክርድኦም እዩ። ይኹን`ምበር እንታይ ከምዘጋጠመ ብልክዕ ኣረጋጊጾም ዘይክፈልጡ ይክእሉ እዮም።
  • መርድእ ብኣባል ስድራ-ቤት እንተተነግሮም ዝሓሸ እኳ እንተዀነ፡ ንምትግባሩ ግን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምትግባሩ ምስዝሕርብተና፡ ነቲ ዝምልከቶ ህጻን ዝቐርቦ ሰብ ብዛዕባኡ እናነገሮ እንከሎ ኣብ ቀረባ ከምእንጸንሕ ክንገብር ንፈትን።
  • ነቲ መርድእ ባዕልና ክንነግሮ እንተዄንና ዝሕግዘና ሰብ ምሳና ከምዝህሉ ንግበር።
  • ዝከኣል ምስዝኸውን፡ ክንርበሸሉ ዘይንኽእል ቦታ ንርከብ።
  • ምስ`ቲ እነርድኦ ህጻን ኣካላዊ ምቅርራብ ወይ ኣካላዊ ምትሕሓዝ ከምዝህልወና ክንገብር ንፈትን፤ ንኣብነት ኣእዳው ምትሕሓዝ። ኣብ ንእሽተይ ሳሎን ኮፍ ምባል ተመራጺ እዩ። ምሳና ኣካላዊ ምትሕሓዝ ክህልዎም ምስ ዘይፈዅሶም ህጻናት፡ ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ከም እንብል ጥራይ ንግበር።

ህሉው ኵነታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ምስ ዝርከብ ህጻን ኣብ እንዘራረበሎ እዋን፣ እዘን ዝስዕባ መርሓታት ግብራውያን እየን።

  • ምስ ዕድመን ደረጃ ምርዳእን ናይ ናይ ዝምልከቶ ህጻን ዝኸዱ፡ ንምርድኦም ዘየጸግሙ ቃላት ንጠቐም። ከም `ምዉት` ከምኡ`ውን `ሞይቱ` ዝኣመሰሉ ብግሁድ ዝገልጹ ቃላት ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ። `ዓሪፉ` ወይ `ደቂሱ` ዝብሉ ቃላት ልዙባት ዝመስሉ እኳ እንተዀኑ፡ ንህጻናት ግን ምድንጋር እዮም ዝፈጥሩሎም።

  • ንዝምልከቶ ህጻን ብዝተኻእለና ብመጠን እቲ ክሰምዓና ዝፈተወ ተደሪክና ጥራይ ሓበሬታ ንሃቦ። ክሰምዑና ፍቃደኛታት ከምዘለዉ እንፈልጠሉ ሓደ መንገዲ፡ ሕቶ ምስ ዝሓቱና እዩ። ሕቶ ምስዘቕርቡልና፡ ብዛዕባኡ ንኽሰምዑ ተዳልዮም ኣለዉ ወይ ድማ ነቲ መልሲ ክሰምዕዉ የድልዮም ኣሎ ማለት እዩ።

  • ንዘቕርቡልና ሕቶ ጥራይ ብምምላስ ተወሳኺ ዝርዝራት ካብ ምሃብ ንቈጠብ። ኣብ ሞንጎ ቅኑዕ ወይ ግሉጽ ምዃንን ንህጻን ልዕሊ ዝግባእ ማለት ዘየድልዮ ሓበሬታ ምሃብን እቲ ፍልልይ ንእሽቶ እዩ። ኣድላዪ ምስዝኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ጸኒሕካ ክወሃብ ይከኣል እዩ።

  • ንምምላሱ ብዝኸብደና ወይ ከመይ ጌርና ክንምልሶ ከምዘለና ብዝሕርብተና ሕቶ ምስዝሓቱና፡ ንህጻናት ተመሊስና `ንዓኻ/ኺ ኸ እንታይ ይመስለካ/ኪ` ኢልና ምስንሓቶም ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል። እዚ ምግባርና፡ ህጻናት ክሳብ ክንደይ ፈሊጦምን ክርድኡ ክኢሎምን ከምዘለዉ ግምት ንኽንወስድ ክሕግዘና እዩ።

ብከመይ ንሓደ ንንእሽቶይ ህጻን ብዛዕባ ሞት ናይ ሓደ ሰብ  ንነግሮ

  • ብዛዕባ ሓደ ዘሕዝን ነገር ክንነግሮም ምዃንና ኣቐዲምና ነፍልጦም፦  "ብዛዕባ ሓደ ዘሕዝን ነገር ክነግረካ/ኪ እየ።"

  • ከም ልሙድ እቲ ኣብ ፈለማ ክንብሎ ዘለና ነገር እቲ ሰብ ከምዝሞተ እዩ። ዝምልከቶ ህጻን ተወሳኺ መብርህን ሓበሬታን ንኽወሃቦ ድሉው ምስኰነ ተወሰኽቲ ሕቶታት ክውሕዙ እዮም።

  • እቲ ሰብ ሓሚሙ እንተነይሩ፡ ካብ`ቲ እቲ ህጻን ፈሊጥዎ ዝጸንሐ ኵነታቱ ምብጋስ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ፦  "ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንዓባይካ/ኪ ስለዝሓመመት በጺሕናያ ምንባርና ትዝክር/ሪ ኢኻ/ኺ። "

  • ህጻናት ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ሕቶ ምስዘቕርቡ ጸገም ከምዘይብሉ፡ ከምኡ`ውን ብዝተኻእለና መጠን ንሕቶኦም ብቕንዕና ክንምልሶ ምዃንና ርጽነት ከምዝስምዖም ንግበር።

ንነኣሽቱ ህጻናት  ሞይቱ  ብዛዕባ ዝብል ቃል መብርሂ እንህበሉ ኣገባብ

ህንጻናት ብዛዕባ ኣምር ሞት ከነረድኦም እንከለና፡ ነዞም ዝስዕቡ ርእይቶታት ኣገላልጻ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ልክዕ ክንጥቀመሉ ዘለና ኣዘራርባ ኣብ ውልቃዊ ኵነታትናን ኣረኣእያናን ዝምርኮስ ክኸውን ይክእል እዩ። እቲ ዝሓሸ ኣቀራርባ ሓቅነት ዘለዎ እሞ ድማ ብዙሕ ናይ ምትእምማን ስምዒት ዘሕድረሎምን ክኸውን ከሎ እዩ። ኣብ`ቲ ንዓናን ነቶም እንኣልዮም ህጻናትን ቅኑዕ ኰይኑ ምዃኑ እንኣምነሉ ሸነኽ ነድህብ።

ሓደ ሰብ ምስዝመውት፡ ኣካላቱ ምስራሕ የቋርጽ። ሳናቡእ ክሰርሓ ስለዘይክእላ፡ ልቢ ድማ ጠጠው ስለ`ትብል፡ ዝሞተ ኣካላት ናይ ሰብ ከተንፍስ ኣይክእልን እዩ። ዝሞተ ኣካላት ክንቀሳቐስ ኣይክእልን፤ ምሉእ-ብሙሉእ ስቕ ይብል፤ ኣይንቀሳቐስን እውን። ንዝሞተ ኣካላት ዋላ ሓንቲ ነገር ክስምዖ ስለዘይክእል ኣይቍንዞን እዩ።

ነኣሽቱ ህጻናት ኣብ ሞንጎ ምዉትን ህያውን ንዘሎ ፍልልይ ብጭቡጥ ክግንዘብዎ ክጽገሙ ስለዝኽእሉ፡ ከም`ዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ዘለዉ ኣገላልጻታት ዝኣመሰሉ ኣበሃህላታት ተጠቒምና ርጉጽነት ከምዝስምዖም ክንገብር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ፦

ምዉታት ሰባት ኣካላቶም ስርሑ ስለዘቋርጽ ዝብላዕ ወይ ዝስተ ነገር ኣየድልዮምን፤ ቍሪ እውን ኣይስምዖምን እዩ። ዝሞቱ ሰባት ንኹሉ ሳዕ ምዉታት ኰይኖም እዮም ዝቕጽሉ። ንሕና ንደልዮም እንተዀንና እኳ ብህይወት ክምለሱና ኣይክእሉን እዮም።

መርድእ ሞት ዝሰምዑ ህጻናት ዝህብዎም መልሰ-ግብርታት ካብ`ቲ ሓደ ናብ ካልእ ዝፈላለዩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ክወድቁ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ገለ ነገር እኳ ከምዘየጋጠሞም ስምዒት ዘየንጸባርቑ ክዀኑ ይኽእሉ። ናይ ሕርቕርቖት ሳሓቕ ክስሕቁ እውን ይኽእሉ እዮም። ኩላቶም እዚኦም ንቡራት እዮም።

ርግጸኛታት ብዛዕባ ዘይኰንናሉ ሸነኽ፡ ከምዘይንፈልጥ ብቕንዕና/ብግልጺ ነጊርና፣ ምስበጻሕናዮ ወይ ምስተረድኣና ክንነግሮም ምኳንና ንንገሮም።

ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ዝስዕቡ መዓልትታን ሰሙናትን ክንደግሞ እሞ  ነቲ ዘቕረቡልና ሕቶ ክንምልሶ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ። መመሊሱ ዝደጋገም ሕቶ ክቐርበልካ ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተዀነ፡ ህጻናት ብዛዕባ ፍጻሜታት ክርድኡሉ ዝፍትኑ መገዲ ግን ከምኡ እዩ።


ኣድላዪን / ዝከኣልን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሓገዝ ኣብ እንህበሉ ኣገልግሎት ዝርርባዊ ትርጉም ከምዝወሃብ ክንገብር ክንጽዕር ኢና።  ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ UK ሓጋዚተሌፎን፡ ማለት 0800 02 888 40 ደውሉ።